ከምዚ’ውን ኣሎ!

ከምዚ’ውን ኣሎ! ልቢ ዝትንክፍ ኣገጣሚ።

ኣብ 1825 ኣብ ቢስክያኒ ዝተባህለ ከባቢ፡ ሜጀር ማክ ግሪጎር ዝተባህለ ባሕረኛ ዝመርሓ ዝነበረ መርከብ ብሓዊ ክትቃጸል ጀመረት። ብህይወቱ ከይቃጸል ዝሰግአ ሜጀር፡ ሓደ ብልሓት ክምህዝ ተገደደ። ኣብ ወረቐት መልእኽቲ ብምጽሓፍ ኣብ ውሽጢ ጥርሙዝ ብምዕሻግ ነታ ጥርሙዝ ናብ ማእከል ባሕሪ ደርበያ። መልእኽቲ ናይ ጽሑፉ ‘እዛ መርከብ እናተቓጸለት ትጥሕል ስለ ዘላ፡ ኣነን ኤልሳቤጥ ጃዋናን ዘድሕነና ንደሊ ኣለና፡’ ዝብል ትሕዝቶ ነበሮ። እንተዀነ፡ እቲ መልእኽቲ ድሕሪ ሓደ ዓመትን ናብ
ዝምልከቶም በጺሑ።