እዋናዊ ዓቢ ሓበሬታ ሕጂ ተዘርጊሑ ኣሎ

ዓቢ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ኣሎ፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቒ ሰራዊት ትግራይን ኣተገባብራኡን ዝምልከት መደብ ንኸውጽእ ዝቘመ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ካብ ትማሊ 30 ሕዳር 2022 ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሽረ ኣኼባ የካይድ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያን ኣብ ናይሮብን ብዝገበርዎ ዘተ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ገደብ ክኣቱን ሰራዊት ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ ዕጥቑ ክፈትሕን፡ ማዕረ ማዕረኡ ድማ “ሓይልታት ወጻእን፡ ካብ ምዱብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ” ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ካብ ትግራይ ክወጽኡ ዝብል ነጥብታት ዝሓዘ ውዕል ከምዝኸተሙ ዝዝከር’ዩ። እዚ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን ብመሰረት ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣቐዲሙ ክራኸብ መደብ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት እቲ ርክብ ከምዝተደናጐየ እቲ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ሽረ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚቴ ንኽንደይ መዓልታት ከምዝካየድ’ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ክዛዘም ምዃኑ ግን መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ መግለጺ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይን ወኪሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ ተወከልቲ በዓል መን ምዃኖም ግን ኣይገለጸን። ቀንዲ ዛዕባ እቲ ኣኼባ፡ “ምፍታሕ ዕጥቅን ምስኡ ዝዛመዱ ዛዕባታት” ዝርዝር ኣፈጻጽማ መደባት ንምቕማጥ ከምዝዀነ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ “ዝርዝር ውጥን ኣፈጻጽማ ምፍታሕ ዕጥቂ ትማሊ 30 ሕዳር ክቐርብ ይግባኦ” ከም ዝነበረ ጠቒሱ’ሎ። እንተዀነ፡ እቲ ሓባራዊ ኮሚቴ ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት ዕማሙ ዛዚሙ ነቲ ውጥን ከምዘዳሉ እቲ መግለጺ የመልክት። እቲ ሎሚ ዝወጽአ መግለጺ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡ “ምፍታሕ ዕጥቅን [ሓይልታት ትግራይ] ምስኡ ዝዛመዱ ዛዕባታትን” ካብ ምባል ወጻኢ ብዛዕባ’ቲ ኣዘራራቢ ዝዀነ ዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ሓይልታት ጐረባብቲ ክልላትን ካብ ትግራይ ብንጹር ዝበሎ ነገር የለን። ብዛዕባ እዚ ኣብ ሽረ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን ዝምልከት ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይዅን ህወሓት ክሳብ ሕጂ ዝተበሃለ ነገር የለን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ምስ ዋና ጽሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝን ምስ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቓ ሙሳ ፋኪን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከምዝተዛተየ ብትዊተር ሓቢሩ።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት bbc /tigrinya ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።