እዋናዊ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሶገን ኣባሳንጆ፡ ዝሓለፈ ሰሙን መቐለ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ “ዝኾነት ሃገር ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ግዝኣታ ክሰፍር ዝቕበሎ ወገን የለን” ክብል ምዝራቡ ንብዙሓት ኣገሪሙ’ዩ። እቲ ዘረባ፡ ካብ ዘይምፍላጥ ዝነቐለ ኣይመስልን። ምናልባት ብዙሕ ከይተሓስበሉ፡ መደረ ንምጥዓም ዝተባህለ ክኸውን ይኽእል፣ ወይ ድማ ጓሂን ሕረትን ገለ ነደይቲ ንምህዳእ ዝተዘርበ ክኸውን ይኽእል። ሕጊን ክውንነት’ከ? – ርሑቕ ከይከድና ኣብ ጅቡቲ መዓስከራት ዝደኰና ሓያሎ ሃገራት ኣለዋ። ፈረንሳ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ጀርመን፡ ስጳኛ፡ ኢጣልያ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቻይና፡ ስዑዲ ዓረብ ምጥቃስ ይከኣል። – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ በይና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ኣብ 80 ዝኾና ሃገራት ዝተደኰነ 750 ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለዋ። ብካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዓለምና 145 መዓስከራት ስግር ባሕሪ ኣለዋ። – ከም ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳ፡ ኢጣልያ፡ ግሪኽ፡ ስጳኛ፡ ነዘርላንድስ፡ ጃፓን፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ህንዲ፡ ቱርኪ፡ ኢራን፡ ፓኪስታን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሲንጋፖር ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ካብ ሃገረን ወጻኢ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለወን። – ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ክልተኣዊ ወይ ብእኩብ ወተሃደራዊ ኪዳን ምምስራት ዝተለምደ’ዩ። 30 ኣባል ሃገራት ዝሓቘፈ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ሓደ ኣብነት እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ እውን ሕብረት ሶቭየት እትመርሖ፡ ምስ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ዝፈረሰ፡ “ዋርሶው” ዝስሙ ተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ኪዳን ምንባሩ ኣይርሳዕን። ናይ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ኪዳን “ኤኮዋስ” እውን ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። – ሃገራት ጸጥታዊ ውሕስነተን ንምርግጋጽ፡ ክልተኣዊ ወይ ብእኩብ ወተሃደራዊ ኪዳን ክምስርታ ኮነ ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ውዕል ክኣትዋን ኣብ ግዜ ሓደጋ ክተሓባበራን ምሉእ ዘይጉዱል መሰል ከምዘለወን፡ ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብንጹር ኣስፊርዎ ዘሎ እዩ። በዚ መንጽር’ዚ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ክልተኣዊ ወይ ብእኩብ ወተሃደራዊ ኪዳን ክምስርታ ኮነ ጸጥታዊ ውሕስነት ንምርግጋጽ ብሓባር ክሰርሓ እንተመሪጸን፡ ብመዳይ ሕጋውነት ኮነ ዓለማዊ ክውንነት ቅቡል እዩ። እኳ ድኣ ኣብ ምውሓስ ዞባዊን ዓለማዊን ጸጥታ ዝህልዎ ኣበርክቶ ኣብ ግምት ምስ ዝኣቱ ክድገፍ ዝግብኦ እውን እዩ። የግዳስ ከም ስግኣት ዝጥምትዎ ወገናት ኣይተሳእኑን። ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣለክሳንደር ሮንዶስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ፈጢሮሞ ዘለዉ ኪዳን እንተደልዲሉ፡ ንምብራቓዊ ገማግም ቀርኒ ኣፍሪቃ ክቆጻጸሮ ተኽእሎ ኣሎ” ክብል ኣብዚ ዞባ ከቢድ ስግኣት ከምዘንጸላለወ ኣምሲሉ ምግላጹ ኣይርሳዕን። ብርግጽ ድማ፡ ኣብዚ ስትራተጂያዊ ዞባ’ዚ ናይ ዓለምና ዝርከባ ሃገራት ጸጥታአን ንምውሓስ ዘኽእለን ባዕላዊ ዓቕሚን ውዳበን ክህልወን ኣይድለን’ዩ። ባብ ሓንካሪ ምትእትታው ስለዝርግጥ፡ ንምሕደራ ቅልውላው ምቹእ ኣይኮነን። ናይዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ውጨጫ፡ ሕሱር ጠቐነን ጸለመን ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ እምበኣር፡ ካብዚ ቄናን ኣመለኻኽታ’ዚ ዝመንጨወ እምበር ካልእ ምኽንያት ዝነበሮ ኣይኮነን።ምንጪ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ።ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።