እዋናዊ ሕበሬታ ከባቢና

ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ ብሄር፡ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ዝነብሩላ እያ። እቲ ዞባ ካብ ቃልሲ ናጽነት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሶማልያ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ክሳብ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ብሄራዊ ወጥሪን ሃዋጺ ጸረ ሃገራውነትን ዝዝርጋሕ መወዳእታ ዘይብሉ ግርጭታት ተጻዊሩ’ዩ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ድርቂ እውን ስለዘጋጠሞ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ዘመዛበሉ ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ መመንጨዊ ማእከላት ስደተኛታት ኣብ’ታ ኣህጉር ይገብሮ። ማዕረ ማዕሪኡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ክመሓደር ዘይክእል ብልሽዉና፡ ግብረሽበራ ኣብ ምንዋሕ ስቃይ ህዝቢ እዚ ከባቢ ልዑል ግደ ኣለዎም። ካልኦት ረቛሒታት ጥንቂ ዘይምርግጋእ ድማ፡ ብወገን የመን ዝካየድ ዘይሕጋዊ መሸጣ ኣጽዋር፡ ሽፍትነትን ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ቁጽጽር ዘይብሉ ዶባትን ይርከብዎም። እዚ ኩሉ ምስቲ ብሰንኪ ስትራተጂካዊ፡ ቁጠባውን ጂኦፖለቲካውን ተዛማድነቱ ነቲ ዞባ ንምቁጽጻር ዝወዳደሩ ዝነበሩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተደሚሩ፡ ነቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ተጠቀስቲ ዘይርጉኣት ቦታታት ገይርዎ። • ስትራተጂካውን ጂኦፖለቲካውን ኣገዳስነት ቀርኒ ኣፍሪቃ, ስትራተጂካውን ጂኦፖለቲካውን ኣገዳስነት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካብ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኡ ዝመጽእ እዩ። ቀርኒ – ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን እዩ። መጻብቦ ባብ ኤል-ማንደብ ንቀይሕ ባሕሪ ምስ ወሽመጥ ዓደንን ሓውሲ ደሴት ዓረብን የራኽቦ። ስትራተጂካዊ ትርጉም ባብ ኣል-ማንዳብ ዝፍለጥ ኣብ 1869 መትረብ ስወጽ ካናል ምስ ተኸፍተን ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ነዳዲ ምስ ተረኽበን እዩ። ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዓበይቲ መስመራት ንግዲ ባሕሪ ተባሂሉ ይግለጽ። ኣስታት 30% ናይ ባሕሪ መራኽብ ብባብ ኣል-ማንደብ ዝሓልፍ ኮይኑ እዚ ድማ ንዓለምለኻዊ ንግዲ ነዳድን ኣቑሑትን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ካብ’ዚ ኣፍደገ ጂኦፖለቲካዊ ብልጫ መሰረት ብምግባር ስለምንታይ ብዙሓት ልዕለ ሓያላን ሃገራት ወተሃደራዊ ህላወ ክህልወን ከም ዝግደሳ ንጹር እዩ። ኣሜሪካን ቻይናን ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ሕጂ ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ተኺለን ኣለዋ። ኣብ ጅቡቲ ምህላዎም ንሃገራዊ ድሕንነቶም ስትራተጂካዊ ትርጉም ከም ዘለዎ ምኽኑይ እዩ። እቲ ዞባ ቁጠባውን ጂኦፖለቲካውን ረብሓታተን ንምስጓም ኣብ ነንሕድሕደን ዝወዳደራ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እውን ምርኢት እዩ። ብተመሳሳሊ ቱርኪ፡ ግብጽን ኢራንን ናብቲ ዞባ ንምእታው ይወዳደራ ኣለዋ። ቁጠባዊ፡ ጸጥታውን ጂኦፖለቲካውን ረብሓ እዘን ሃገራት ኣብ’ቲ ዞባ ስሉስ ጽልዋ ኣለዎ። ኣብ መጻኢ ኣብ መንጎ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ዝወዳደራ ሃገራት ዝፍጠር ምቁርቋስ ክሕይልን ከም ውጽኢቱ ድማ መራሕቲ እቲ ዞባ ሃገራዊ ረብሓታቶም ክከላኸሉ ኣይክእሉን እዮም። ብፍላይ ነተን ልኡላውነተንን ግዝኣታዊ ሓድነተንን ንምምላስ ዝቃለሳ ዘለዋ ከም በዓል ሶማልያ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ንህላዌኻ ዘፍርሕ መርገጺ እዩ። ነቲ ቀርኒ ዘጋጥሞ ዘሎ ብዙሕ ጉዳያት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንቐዋሚ ፍታሕ ዝተዋደደ ኣገባብ ንምርካብ ሓባራዊ ኣተሓሳስባ የድሊ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ምርግጋእ ዝወስድ ምዕባለታት ርኡይ ምልክታት ተራእዮም እዮም። ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኲናት ንምቁራጽ ስምምዕ ሰላም ፈሪመን፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኤርትራን ምቅርራብ ተኻይዱ። እዚ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ሓድሽ ምዕባለ፡ ዞባዊ ግርጭታት ምቅላልን ንጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ብብዙሕ ወገን ምግጣምን ዘጠቓልል ብርክት ዝበሉ ስትራተጂታትን መደባትን ዝሓዘ እዩ። ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተኸተመ ስሉሳዊ ስምምዕ፡ ኣገዳስነት ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ምክልኻላዊ ምትሕብባር እዘን ሃገራት ዘጉልሕ እዩ። እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝነበረ ርክብ ዉን ቀይሩ ኣሎ። ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማልያ ኢዳ ካብ ምእታዋ ኣቋሪጻ። መንግስቲ ፌደራል ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣካይዳ – ኣብ “ከፋፊልካ ምግዛእ” ዝተሞርከሰ ኣገባብ ብምርሓቕ ብቐጥታ ምትሕብባር ጀሚሩ። እዚ ድማ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ናይ ዘቤታዊ ጉዳያቱ ክሕዝ ኣድላዪ ቦታ ሂብዎ። ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ብሄራት ብሰላም ብሓባር ክነብሩሉ ዝኽእሉ ናይ ማሕበራዊ ምትእስሳር ሓቀኛ ኣብነት እያ። ተመክሮ ኤርትራ ኣብ’ታ ብዙሕ ብሄራት ዘለዎ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያን ሓደ ዓይነት ህዝባ ብስኒት ክነብር ዝቃለስ ዘሎ ሶማልን ምትግባር ነባሪ ሰላም ከምጽእ ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ኤርትራ ኣብ ቁጠባዊ ናጽነት ተበጊሳ፡ ኣብ ከም ውሕስነት መግብን ማይን ዝኣመሰሉ ንሃገር ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ጉዳያት ኣቶክሮ ሂባ ኣላ። ኤርትራዊ ርእሰ ምርኮሳ ካብ ወጻእተኛታት ለገስቲ ሓንቲ ኣበርክቶ ከይተገብረ ልዕሊ ሸውዓተ ሚእቲ ዲጋታት ብዉሽጣዊ ዓቅሚ ንምህናጽ መንገዲ ጸሪጉ። ብልክዕ፡ ርእሰ-ምርኮሳ ኤርትራዊ ኣነባብራ ንደረጃ ሃገራዊ ሓበን ኣሰጊምዎ ኣሎ። ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ንሶማልያ ንምርግጋእ ዝገብሮ ዝነበረ ደገፍ፡ ኣስታት 5-ሽሕ ፍሉያት (Elite) ሰራዊት ኣሰልጢኑ። ኤርትራ ንወተሃደራት ሶማልያ ንምስልጣን ዝወሰደቶ ውሳነ፡ ኣብ ህንጸት ሰላም ሶማልያ ዘለዎ ሓቀኛ ግደ የነጽር። እዚ ዓይነት ምልክት እዩ ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ውጽኢት ዝገብር። ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ሓቀኛ ኣበርካቲ ሰላም ኣብ ዞባ ቀርኒ ክዋሳእ ተወፋይነት ኣለዎ። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን ጽቡቕ ዝምድና ክህልዋ ይሰርሕ፡ ምስ ጅቡቲ’ውን ጨንፈር ኣውሊዕ-ሰላም ኣብ ምንዋሕ ክትቅጽል እያ። እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ድማ ንረብሓ ኣባላት ሃገራት ዘሰጉም ማሕበረሰብ ቀርኒ ኣፍሪቃ (Horn of Africa Block) ንምምስራት እዩ። ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ብምኽንያት መበል 31 ዓመት በዓል ናጽነት ኣብ ዝሃቦ ኣገዳሲ መደረ፡ “ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነተንን ልኡላውነተንን ንምሕላው ዞባውን ንኡሳን ዞባውን ትካላት ክፈጥራ” ከምዘለወን ገሊጹ ኔሩ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ምድንፋዕ ዞባዊ ምርግጋእን፡ ምዕባይ ጽኑዕ ምትእስሳር ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን፡ ከምኡ’ውን ምምልላእ፡ ዘይነጻጸል ኣካል ዞባዊ ፖሊሲ መንግስቱ ኮይኑ ከምዝቕጽል ደጊሙ ኣመልኪቱ ምንባሩ ይዝከር። ኤርትራዊ ዶግማቲክ ኣቀራርባ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ፡ እቲ እንኮ መንገዲ ንተደሊዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ሰላምን ራህዋን ንምምዝጋብ ዘኽእል ኢዩ። ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ቀርኒ ዝካየድ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ብብዙሕነታዊ ኣገባብ ምብዳህ (ብድሆ)።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት NationalEr Interest ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *