እዋናዊ ሃበሬታ |ሰራዊት ፈደራል ድርኲኺት መቐለ

ኣገዳሲ ዓቢ ሓበሬታ እዩ ብተገዳስነት ሼር ንግበሮ፡ ብኣመሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈጸመ ኣሰጋዳድ ዘተ ሰላም ፕሪቶርያ፡ “ብምፍታሕ፡ ምውራድን ምርካብን ወተሃደራዊ ዕጥቂ ጉጅለ ህወሓት” ብዝብል ስምምዕ ተዛዚሙ። ክታም ዝተነብረሉ ዕለት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን ተሓቢሩ። ሕቡእ ኣጀንዳ ናይቲ ዘተ ሰላም ከይተቐልዐ ፍቱሕ ምስጢር ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ ኔሩ። ቅድመ እቲ ዘተን ኣብ እዋን ዘተን ዘነበረ ምንቕስቓስን ላሕኲ ሓበሬታን ከኣ፡ ነቲ ንድሌታት ኣመሪካ ዘግህድ እዩ። ኣብ መሬትን ብግብርን፡ ብኹልትናዊ ዓቕምን ቁመናን ንዝጠፍአ ጉጅለ ህወሓት፡ ኣብ ወረቐትን ኣብ ዝኽርን’ውን ከይጠፍእ በቲ ሓደ፡ ግዜ በሊዑ ከም ካብ ጉንዱ ዝተቖርጸ ገረብ ንምጥጣዕ’ውን በቲ ኻልእ፡ ኣመሪካ ናይ ህይወት ኣድሕን ተራ ተጻዊቱ። ኣብ ኣፈታትሓ ናይቲ ግጭት ርኡይን ግሁድን ዕምጸጻ ተፈጺሙ። “ግዳማዊ ቁስሊ ሸፊኑ ውሽጣዊ ረኽሲ ዝገድፍ ኣገባብ ዝተኸተለ ስምምዕ እዩ። ፈታሒ እናመሰለ ግን ኣሳሪ ጉዳያት እዩ። ኣብ ክንዲ ዘላቒ ፍታሕ ነባሪ ሽግር ዝገድፍ እዩ”ዝብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት’ውን ይስምዑ ኣለዉ። ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ከኣ ተሓለቕቲ ክልል ኣምሓራ በዚ ኣርእስቲ ኣፎም መሊኦም ይምጒቱ። ፍታሕ ዝሰኣነን ጥርዓን ርብዒ ዘበንን ህዝቢ ራያን ወልቃይትን ከኣ ኣዝዩ ገዛኢ ምጒት ይኸውን ኣሎ። እዚ ብኽልተ ሸነኽ ዝጥመትን ዝትርጎምን ሕቶታት እዚ መዓልቦ ተገይርሉ ድዩ ወይ ብሕጂ ክግበረሉ? ወይ’ውን ተወንዚፉ? ስለምንታይ? ብኸመይ? ዝብል ሕቶታት እናወሰኽካ ክትንበይ እምብዛ ዝኸብድ እዩ። ኣመሪካ፡ ንናይ መንነት ሕቶን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢታት ራያን ወልቃይትን ንሓንቲ መዓልትስ ይትረፍ ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ኣቓልቦ ሂባቶ ኣይትፈልጥን። ሌላን ጉሌላን ሓውላል ኣጣምታን ጥራይ ዝመስሎም ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣመሪካ ተሓላቒትን ኣደ ጡብን ጉጅለ ህወሓትእያ እናበሉ፡ ከይረብረቡ ዝመደሩ ሰማዒ ኣይረኸቡን። ክረኽቡ’ውን ኣይኮኑን። ድርብ መለክዒታት እዩ እቲ ባህሪ። ኣመሪካ ኣብ ረብሕኣን ኣጀንዳኣን ዝምርኰስ ጉዳይ፡ ዘይትወስዶ ስጉምቲ የለን። እዚ ሓቂ ካብ ማንም ዝኽወል ኣይኮነን። ማእከል ወኪል ስለያ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብዚ ዞባ እዚ ቅልውላው እናፈጠረ ሽግራት ከሳስን ከመሓድርን ጸኒሑ እዩ። ንወያነ ክልተ እዋን ቐጠልያ መብራህቲ ወሊዑ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትውን ብህዝባዊ ማዕበል ተጸፊዑ ንዝገደፎ ስልጣን ተመሊሱ ከም ቀደሙ ክኽድም ዘካየዶ ስራሕ ኣይሰለጦን። ጸወታ ኣብ ሜዳ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝኾነሉ ዓይኑ እናጸቐጠ፡ ኩዕሶ ናብ ሜዳ ትግራይ ምስ ኣተወት ከኣ ዓይኑ እናነብዐ፡ ብስመ ብዙሕ መሸቀጢ ኣምራት ናይቲ ጸወታ መደምደምታ ፊሽኻ ካም ምንፋሕ ክዓግት ጸኒሑ። ኣብ መወዳእታ’ውን፡ ሰራዊት ፈደራል ድርኲኺት መቐለ ረጊጹ ኣብ ዝተቐልቀለሉ፡ ብህጹጽን ብግድን ዘተ ሰላም ኣተግቢሩ። ተግባረ ኣመሪካ ንዘይፈልጥ ወይ’ውን ንሓቂ ዓይኑ ዓሚቱ ዝርእይ፡ ወይ’ውን ብፍላጥ ከይሰምዕ ዝደቀሰ ወይ’ውን ብኢንፊዩዥን ሲኣይኤ ትንፋሱ ዘስርር እንተዘይኮይኑ፡ ጸሓይ ዝወቕዖ ንፋስ ዝሃረሞ ምስጢር እዩ። መቐጸልታ ናይቲ ቁጠባዊ እገዳን ካልእ መቕጽዒታትን ኣመሪካ፡ ናብ ዘተ ሰላም እንተዘይኣቲኹም “ስጉምቲ ክወስድ ክግደድ እየ” ዝብል መጠንቀቕታ ክትህብ ተሰሚዓ። እዚ ጸቕጢ እዚ ሓድሽ እኳ እንተዘይኮነ፡ መልክዕን ቃናኡን ካልእ ትርጉም ዝህብ እዩ። ኣመሪካ ብዋጋ ዕዳጋን ክትቀጣቐጥን ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ሰለስተን ክትግብራ ዘይክእላ ግን ከኣ ናብቲ ዝተደለየ ሚዛን ዘውርዳ ነጥቢታት ኣቐሚጣ እያ። ምቁራጽ ተዂሲ፡ ምውጻእ ኤርትራን ብዘይገደብ ሰብኣዊ…ኣብ ክርክር፡ ሚእቲ ንእትሸጦ ንብረት ብሽሕ ዋጋ ዕዳጋ ምጅማር እዩ ኔሩ። ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰማንያ ዓመታት ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ከኣ ብፍላይ ኣንጻር ኤርትራ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣጻዕድዩ እዩ ዝፈልጦ። በቲ ስሕለት ሓሊፉ ከኣ ዝያዳ በሊሑ። ካብ ቀሊል ተጻብኦ ክሳብ ምህማሽ ሃገር ንዝበጽሐ ኣበርዒኑ። ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ክጥቀስ ይክኣል። ብምኽንያት ዶብ፡ ንጉጅለ ህወሓት ብምቕዳም ዝወልዓቶ ሰለስተ ወራራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ እዚ እዋን ዘየቋረጸ ተጸብኦን ከበባን መወዳእታ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ወራር ብኣመሪካ ኣይተሳዕረን። ብኲናት ዓዲ በጊዖ ነቲ ማስኬራ ጉጅለ ህወሓት ተኸዲኑ ዝመጸ ኣመሪካ ስዒሩዎ። ውዲት ናይ ምቕጻር ስርዓት ኣፍሺልዎ። ዘተ ሰላም ተጸዊዑ ኣልጀርስ ብቐያዲ ብይን ስዒሩዎ። ኣብ ሓሽውየ ዲያሎግ ከእትዎ ዝዀዓቶ ጉድጓድ ኣይተሃመለን። ስዒሩዎ። ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ፖሎ-ሃይማኖታዊ ትካላትን፡ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ምድረ ኤርትራ ኣስፊሩ ክስርት ዘካየዶ ሽርሒ ኣፍሺልዎ። ናይ ምስይጣንን ምድዋንን ዘመተ ኣካይዱ ስዒሩዎ። ፍልሰት ኣዳምን ምዝቋቕ ዓቕሚ መንእሰያት ኣፍሺልዎ። ሰረት ኣልቦ ክስታት ፈጢሩ እገዳታት ኣጽኒዑ፡ ብሓያል ጽንዓትን ዘይዓርብ ንያትን ኣምኪንዎ። ባንካታት ዓለም ዓጽዩዎ። ኣይተዓጽወን። ሓያል ጽንዓትን መንፈስ መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ቐይሩዎ። ንእኡ ንምጥምዛዝን ካልእ መልክዕ ንምትሓዝን ስዉር ኲናት ከፊቱ፡ ኣፍሺልዎ። ብ4 ሕዳር 2020 ዝተበገሰን ክልተ ዓመት ዝወሰደን ኣመሪካ ኣብ ምድረ ኢትዮጵያ ብመገዲ ጉጅለ ህወሓት ኣቢሉ ኲናት ከፊቱ። ምሉእ ዕላምኡ ንኤርትራ ንምሓዝ ዝዓለመ መጥቓዕቲ ብሰሜን እዝ ፈሊምዎ። ብቐጥታ ከኣ ብዓዲ ሃገራይ ናብ ኦምሓጀር፡ ጐልጅ ሰጊሩ ብባድመ፡ መረብ፡ ጾሮና፡ ባዳ፡ ምልእቲ ኤርትራ ንምትሓዝ ወጢኑ። ዕላዊ ጻውዒት ንዂናት ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሚሳይል ናብ ኤርትራ ደርብዩ። እቲ ሚሳይል መቐጸልታ ናይቲ 2016 ዝተኰሶ እዩ ኔሩ። ሓያል መሪሕነትን ጽኑዕ ህዝብን ኤርትራ ብኣመሪካ ዝተጠንሰ ኩሉ ውዲት እናምከነን እናተዓወትን ቀጺሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣመሪካ ብመገዲ ወያነ ብረቱ ቅልቁል ኣፉ ደፊኡ ተሳዒሩ። ድሕር’ዚ ስዕረ እዚ’ውን ኣመሪካ ሽርሒ ካብ ምምሃዝን ካልእ ከዳሚ ፈጢሩ ነታ ብገዛእ ርእሳ ደው ክትብልን ንኻልኦት ናይ ጽቡቕ ብሉጽ ኣብነት ክትከውን እትጽዕር ኤርትራ ከዳኽምን ክቐትልን ውዲት ኣይከቋርጽን እዩ። ሕጂ’ውን ጽንዓት ብዝበረኸ ንቕሓት ክሓትት እዩ።!እዚ ሓበሬታ ካብ ወግዓውያን ገጻት Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን፡ ወሲድና ናባኹም ነብሎ ከምዘለና ንሕብረኩም።