እንታይ ይብሃል ኣሎ | ክርስትያኖ ሮናልዶ ናብ ሃገሩ ክምለስ

ኣብዚ እዋን ብጠባዩ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ ዘሎ ፖርቱጋላዊ ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ሳንጥኡ ጠቕሊሉ ናብ ሃገሩ ክምለስ ከም ዝሓሰበ መርበብ ሓበሬታ ደይሊ መይል ንእሙናት ምንጭታት ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ብምጥቃስ ሓቢሩ። ይኹን’ምበር፡ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ፖርቱጋል፡ እቲ ተጻዋታይ ንሃገራዊት ጋንታኡ ብዘለዎ ዓቕሚ ንምሕጋዛ ድሉው ከም ዘሎ ብምሕባር ነቲ ዝጋዋሕ ዘሎ ዜና ውጹእ ሓሶት ክብል ነጺግዎ ኣሎ። ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ፡ ሮናልዶ ምስ ቀዳሞት 11 ተሰለፍቲ እታ ጋንታ ኣብ ሜዳ ከም ዘይተራእየ ይፍለጥ። ሮናልዶ ምስ እንግሊዛዊት ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ ምፍልላዩ ንመብዛሕትኡ ምድላዋት ኣሰልጣኒ ፖርቱጋል ፈርናንዶ ሳንቶስ ኣብ ማዕከናት ዜና ከም ዘህሰሶ ክሕበር ከሎ፡ ምስ ድኹም ብቕዓቱ ሕማቕ ጠባይ ተደሚርዎ ምስ ኣሰልጣኒኡ ኣብ ወጥሪ ከም ዘሎ’ዩ ዝሕበር። ሪኮርድ ዝተባህለት ጋዜጣ ፖርቱጋል ብመሰረት ዝዘርገሓቶ ሓበሬታ፡ እቲ ተጻዋታይ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ስዊዘርላንድ ቀዲሙ ኣብ ሜዳ ከም ዘይረአ ምስ ተነግሮ ሳንጥኡ ኣልዒሉ ክኸይድ ከም ዝሓሰበ ተፈሊጡ ኣሎ። ሮናልዶ ኣብቲ ግጥም ከም ተቐያሪ ኮይኑ ኣትዩ’ኳ እንተነበረ፡ ጸወታ ድሕሪ ምውድኡ ግን ኣብ ክንዲ ምስ ደቂ ጋንታኡ ኮይኑ ሓጎሱ ዝገልጽ ንበይኑ ካብቲ ሜዳ ክወጽእ’ዩ ኣብ ዓይኒ ካሜራ ኣትዩ። ገለ ገለ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል፡ ሮናልዶ በቲ ጉዳይ ምስ ኣሰልጣኒኡ ሳንቶስ ከም ዘይተረዳደአን ጸኒሑ ግን ናብ ልቡ ከም ዝተመልሰን እዮም ዝሕብሩ። ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል፡ ጠባይ ሮናልዶ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ ብምህላዉ ነታ ጋንታ ብኣሉታ ከይጸልዋ ስግኣት ከም ዘለዎም’ዩ ዝግለጽ። ሮናልዶ ነዚ ስግኣት ዘስተብሃለ እንክመስል ኣብ ገጻት ማሕበራ ሜዲያታት ንኣሰልጣኒኡን ሃገራዊት ጋንታኡን ክውድስ ጀሚሩ ኣሎ። ይኹን’ምበር፡ እቲ ተጻዋታይ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ክንዲ ምስቶም ተቐየርቲ ተጻወትቲ ልምምድ ዝገብር፡ ምስቶም ቀዳሞት ተሰለፍቲ እታ ጋንታ ኣብ ጂምናዝየም ከም ዝተራእየ እዮም ቀረብቲ እታ ጋንታ ዝሕብሩ። ሮናልዶ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኮርያ ተቐይሩ ኣብ ዝወጸሉ እውን ምስ ኣሰልጣኒኡ ሳንቶንስ ክገራጮ ተራእዩ እዩ። ሓፍቲ እቲ ተጻዋታይ ዝኾነት ካቲያ ኣቬሮ፡ ሮናልዶ ንቐጠር ገዲፉ ናብቲ ዝኸብረሉ ዓዱ ክምለስ ከም ዝሓተተቶ ድማ ይሕበር።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ሓዳስ ኤርትራ ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።