እናይ ይባህል ኣሎ፤ ሎሚ ካብ ዝወጸ ሓበሬታ

እንታይ ይብሃ፤ ኣሎ፤ መስርሕ ስምምዕ ፕሪቶርያን ኬነያን ተኸቲሉ ዝመጽእ ትግባረ ስምምዕ’ዩ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ በዳሂ መድረኽ፡ ኣብ ህዝብታት ቐርኒ ኣፍሪቃ ወሪዱ ዘሎ ግዳማዊ ምትእትታዉ መሊእካ ምጽንቃቕ ምጥርጣር ዘየድልዮ ሕርያ ኮይኑ፡ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያን ኬንያን ዝህልዎም ኣበርክቶ ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይክኸዉንን’ዩ። ነዚ ብደገ ክድፍኣሉ ዝጸንሐ ኣጀንዳ መሊእካ ንምጽንቃቕ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያን ኬንያን ኣገዳሲ ክኸዉን’ዩ። ስምምዕ ፕሪቶርያን ኬንያን ኣብ ህዝቢ ኢትዮጲያ ሓድሽ ናይ ሰላም ንፋስ ከንፍስ ክኢሉ’ዩ። ትግባረ ናይዚ ስምምዕ’ዚ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጲያ ዝጸንሐ ደማዊ ኩናት ከዕርፍ ምሉእ ተኽእሎ ኣለዎ። ደጋጊምካ ክትቅመጥ ዘለዋ ኣገዳሲት ሓረግ እምበኣር “ተኽእሎ ኣለዎ” እትብል’ያ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝዉስኖ ዉሳነ፡ ኣብ ምዕዋት ስምምዕ ፕሪቶርያ ደራኺ ክኸዉን’ዩ። ብንጹር ንምቕማጥ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ተግባራዉነቶም ከየረጋገጸ ንቕድሚት ክኸይድ ኣይክኽእልን’ዩ። ንሓፈሻዊ ኣጠማምታ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ብድፊኢት ግዳማዉያን ሓይልታት ዘኻዕበቶ ዓወታት ኣብ ሓደጋ ከየዉድቕ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ክግደድ’ዩ። ሀ) ምዉራድ ዕጥቂ ዕጡቓት ጃንዳ ማለሊት መሊእካ ምጽንቃቕ (ኣብዚ ሕርያ’ዚ፡ ምዉልዋል ዝበሃል ነገር ክህሉ ኣይክእልን። ወተሃደራዊ ሓይሊ ጃንዳ ማለሊት ከም ደበና ከይበተንካ  ከይገበርካ፡ ንቕድሚት ምሱጓም ዝከኣል ኣይኮነን)። ለ) ጸጥታዊ ዉሕስነት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምርግጋጽ (እዛ ነጥቢ እዚኣ፡ ምስታ ቐዳመይቲ ነጥቢ እትተኣሳሰር’ያ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ጃንዳ ማለሊት በቲንካ፡ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ጸጥታዊ ዉሕስነት ምሃብ ግድን’ዩ ክኸዉን)። ሐ) ዕጥቂ ጃንዳ ማለሊት ብምዉራድ፡ ጸጥታዊ ሕቶታት ኤርትራ ብጥንቃቐ ምምላስ (እዚኣ’ዉን ምስታ ቐዳመይቲ ነጥቢ እትተኣሳሰር’ያ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጃንዳ ማለሊት ምሉእ ብምሉእ ከይበተነ ደቂሱ ክሓስር’ዩ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ እንተሃልዩ፡ ኣብ ቐትሪ ደቂሱ ዝሓልም ሰብ ጥራይ’ዩ ክኸዉን ዘለዎ)። መ) ንስልታዊ ፖለቲካዊ ጸወታታት መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ብዕቱብ ምክትታልን በብግዚኦም ገምጋማት ምቕማጥን (ነዛ ነጥቢ ንምርዳእ፡ መልእኽቲ ሌ/ጀ ጻድቃን ደጊምካ ምስማዕ ከድሊ’ዩ። “እዚ ስምምዕ’ዚ፡ ንጥሙር ሓይሊ ኢትዮጲያ ክብትን ተኽእሎ ኣለዎ ዝብል ነጥቢ ምቕማጡ፡ ጃንዳ ማለሊት ኣብ ስልታዊ ፖለቲካዊ ጸወታ ተዕነኒ ከም ዘላ ብግልጺ ኣቐሚጥዎ’ዩ)። ስልታዉያን ሕርያታት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን 1) እቲ ቐዳማይን ቐዳማይን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ንስምምዕ ፕሪቶርያን ኬንያን ብጥቃቐ ክሕዝዎ ይግባእ። ሕሉፍ ታሪኽ መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ መስርሕ መረጋገጺ ዝተኸተለ ትግባረ ክኽተሉ ክግደዱ’ዮም። መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ኣብ ስልታዊ ፖለቲካዊ ጸወታ ተገዚኡ ይኸይድ ምስ ዝህሉ፡ ብእምነት ዝግበር ቕድመ ምንቅስቓስ፡ ከቢድ ዋጋ ከኽፍል’ዩ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ መስርሕ መረጋገጺ ዝተሰረተ ትግባረ ስምምዕ ምኽታል ዝበለጽ ሕርያ ይኸዉን። ከም ኣብነት- መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ዕጥቁ ናይ ምፍታሕ ዘለዎ ድሌትን ቕሩብነትን ክሳብ ክንደይ’ዩ? ቑመና ዕጡቓቱ እንታይ ይመስል? ካብ ናይ ተጻብኦ ቑመና ይወጽእ ኣሎ’ዶ የለን? ሒዝዎም ዝጸንሐ ገዛእቲ ቦታታት ከመሓይሽ ይህቅን ኣሎ’ዶ? ወዘተረፈ!! 2) እቲ ካልኣይ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ክጭብጦ ዝህቅን ዘሎ ስልታዊ ፖለቲካዊ ምትዕጽጻፋት’ዩ። ኣብ ኩሎም መሳኹቲ ሜድያታት ከም እንዕዘቦ ዘሎና፡ ማለሊት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዛርዩ ዘይነጽፍ ሽይጠና ኣብ ምክያድ ተጸሚዳ’ላ። ብስልታዊ ኣዘራርባ፡ ጃንዳ ማለሊት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጲያን ክልል ኣምሓራን ምፍሕፋሕ ንምፍጣር ድሌታት ከም ዘለዋ ክነስተብህል ኪኢልና ኣሎና። እዚ ሓደገኛ ጸወታ’ዚ፡ ነቲ ኣቐዲምና ጥንቃቐ የድልዮ እዩ ዝበልናዮ “ማለሊትን ናይ ሰላም ድሌታን”፡ መሊሱ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ክኸዉን’ዩ። በዚ መለክዒ፡ መንግስታት ኢትዮጲያን ኤርትራን፡ ነዚ ስልታዊ ፖለቲካዊ ጸወታ ጃንዳ ማለሊት ብደቂቕ ክከታተልዎን ካብ ዝኾነ ይኹን ህንዱድ ምንቅስቓሳት ክቑጠቡን ይግባእ። 3) እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ምስ ደግኣዊ ምትእትታዋት ዝተኣሳሰር’ዩ። መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን፡ ምንቅስቓሳት ምምሕዳር ባይደን ብደቂቕ ክከታተሉ ክግደዱ’ዮም። ምምሕዳር ባይደን ኣብ ጃንዳ ማለሊት ዝነበሮ እምነት ኣሎ’ዶ? ኣብቂዑ’ዶ? ካልእ ስዉር ኣጀንዳታት ክህልዉ ይኽእሉ’ዶ? ክሳብ ሕጂ ብዝተራእዩ ጭቡጣት ኣብነታት፡ ምምሕዳር ባይደን ምስ መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ዝነበሮ ሕቕብቅብ መሊኡ ኣይተፋሑቐን። ኣንፈታቱ ብደቂቕ ምክትታል ከም ዘድሊ ስምዕታ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ መደምደምታ– መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ኣብ ስልታዊ ፖለቲካዊ ጸወታ ዘካይዶ ምግልባጣት፡ ካልእ ግጭት ንምብጋስ ዕላማ ዝሓዘ ምስ ሙዃኑ፡ ደቂቕ ምክትታል ክግበር ይግባእ። መንግስቲ ኤርትራ’ዉን እዞም ስልታዉያን ዝመስሉ ጸወታታት ክሳብ ተደሪዖም መልክዕ ዘይሓዙ፡ ትኩሩነቱ ዓትዒቱ ክቕጽል ክግደድ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጲያ’ዉን ብወገኑ፡ ስምምዕ ሰላም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዓቢ ረብሓ ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ ነቲ ስምምዕ ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ካብ ሸለልትነት ዝወጸ ዕቱብ ስራሕ ክሰርሕ ክግደድ’ዩ። ኣብዚ ክሰሓት ዘይብሉ ኣገዳሲ ነጥቢ እንተሃልዩ፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን፡ ነዚ ኣብ ፕሪቶርያን ኬንያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ሕንጻጽ ንምብጻሕ፡ ሪስክ ኣይክወስዱን’ዮም ክበሃል ኣይከኣልን። ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ንዝኾነ ይኹን ዓይነት ግጭት ዝዕድም ምንቅስቓስ ብምዉጋድ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ምሉእ ፖለቲካዊ ናጽነት ሃልይዎ፡ ነቲ ስምምዕ ተግባራዊ ንኽኸዉን ዘኽእሎ ነጻ ቦታ   ምኽፋት ከገድድ ዝኽእል ኩነታት ምፍጣር ኣየሰንብድን። ከም ኣታዓራቒ ሓሳብ፡ ማለት ነታ ኣብ “ሐ” ተቐሚጣ ዘላ ነጥቢ ንምምላስ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናይ 20 ክሳብ 30 ኪ/ሜ ነጻ ዞባ ከም ኣማራጺ ክድህስስ ይኽእል። ንተቐባልነቱ ዝምልከት፡ ኣብ ባይታ ብደቂቕ እንዳተዓዘብካ ማለት’ዩ። ብሩኽ መዓልቲ!!ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ”Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን”ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *