ኣገራሚ ተሪር ትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ኣብ መፋርቕ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኢትዮጵያ 38 ዓይነት ቀዳምነት ዘይወሃቦም ዝተባሃሉ ኣቑሑት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ኣጊዳ። እዚ፡ ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ [ዶላር] ንምግታእ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ መንግስቲ ነቶም ነጋዶ፡ ነዞም ፍርያት ናብ ሃገር ንምእታው ዘኽእሎም ‘ኤልሲ’ [ሌተር ኦፍ ክሬዲት] ንከይወሃቦም መምርሒ ኣውጺኡ’ዩ። ‘ቀዳምነት ዘይወሃቦም’ ወይ ናይ ሕንቃቐ [ሌግዠሪ] ካብ ሞንጐ ዝተባህሉ፡ መካይን፡ መግቢ፡ ኣቑሑት ገዛ፡ መመላኽዒታትን ኣልኮላዊ መስተታትን ይርከቡዎም። እዚኦም፡ ብውልቂ ዝኣትው ተሽከርከርቲ፣ በዓል ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲ፣ ብኤሌክትሪክ ዘይሰርሓ ሞተር ሳይክልን ካብ ሞንጐ እቶም ዝተኸልከሉ ምህርታት እዮም። ካብዚ ሓሊፉ፡ ከም ከረሜላን ማስቲካን ዝበሉ ጣዕሚ ዘለዎም መግቢታት፣ ናይ ህጻናት ጸባ ሓርጭ (ፎርሙላ ጸባ) ሽጋራ፣ ኣልኮላዊ መስተታት ብመሰረት እዚ ሓድሽ መምርሒ ንዘይተወሰነ ግዜ ናብታ ሃገር ክኣትው ኣይፍቀደሎምን። ሚኒስትሪ ፋይናንስ ናብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነዞም ኣቑሑት ናብ ውሽጢ ዓዲ ዘእትው ነጋዶ ፍቓድ ክወሃቦም የብሉን ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ውሳነ ዝደረዀ ምኽንያት ድማ እኹል ሸርፊ ወጻኢ ስለ ዘይብሉን ኣገደስቲ ዝብሃሉ ከም መድሓኒት፣ ሕርሻዊ ጥረ ኣቕሑትን እታወታትን ንምምጻእ እኹል ሸርፊ ወጻኢ ንክህልዎ ምዃኑ ይገልጽ።ካብ ወጻኢ ክኣትው የብሎምን ተባሂሎም መንግስቲ ካብ ሞንጐ ዝኣገዶም ምህርታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ካብ ዝነበሩ ሓደ ዝተመስርሐ ጸጉሪ’ዩ። ካብ ቀረባ እዋን ንንዘ ዋግኡ እናኸበረ ዝመጽአን መዐቀኒ ጁባ ዝኸውን ዘሎን ‘ሂውማን ሄር’፡ ካብ ባንክ ብዝወጽእ ኤልሲ ናብ ውሽጢ ዓዲ ንከይኣቱ መምርሒ ወጺኡዎ ኣሎ። ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ካብ ዱባይ ናብ ኢትዮጵያ ሰብ ሰርሖ ጸጉሪ ዝልእኽ ነጋዳይ፡ ቅድሚ ሕጂ እዚ ምህርቲ ብሕጋዊ መገዲ ይኣቱ ከም ዝነበረ ይጠቅስ። ኣምጻእቲ “ዝኸፍሉዎ ቐረጽን ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጠሉ ዋጋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ስለዘይመጣጠን መብዛሕትኡ ነጋዳይ ካብ ቀረጽ ወራጺ እዩ ዘእትዎ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ወሲኹ፡ “እቲ ዝኽፈል ቀረጽ ድማ ኣዝዩ ክቡር ስለ ዝዀነ፡ ኩሉ ነጋዳይ ብናይ ተጉዓዝቲ ሻንጣ እዩ ዘእትዎ። እዚ ሕጂ’ውን ዘሎ ኰይኑ፡ ካብቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ግን ምንካይ ኣርእዩ ኣሎ። ብሓፈሻ ግን ብሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ሂውማን ሄር የለን” ኢሉ። እዚ ምንጪ ቢቢሲ፡ ሕጂ ኣብ መብዛሕትኡ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ዘሎ ብኮንትሮባንድ ዝኣቱ ‘ሲንቴቲክ’ ጸጉሪ ስለ ዝዀነ ነዚ ንምቁጽጻር ብዝብል ዝወጽአ መምርሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት። ይኹን’ምበር፡ ነቲ ሓድሽ መምርሒ ስዒቡ ዋጋ ሰብ ሰርሖ ጸጉሪ ብዕጽፊ ንክውስኽ፣ ናይ ቀረብ ጸገማት ክፍጠርን ነጋዶ ኣብ ጸቕጢ ክጥሕሉን ምኽንያት ከም ዝዀነ ይዛረብ። “ንዓይ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ’ዩ፤ ሕጂ ምሉእ ብሙሉእ ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኽ ጠጠው ኣቢለ’የ። ቀረጽ ወሲክኻ ምእታው ፍትሓዊ ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ 400 ግራም ጸጉሪ 120 ዶላር ይክፈሎ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ሓሙሽተ/ ሽዱሽተ [ዕሹግ] ጸጉሪ ሒዙ ዝኸደ ሰብ ሰለስተ ዕጽፊ [360 ዶላር] ቀረጽ ይኸፍል። ስለዚ ኣየዋጽእን” ይብል። ነዚ ሓድሽ መምርሒ ስዒቡ፡ ዋጋ ‘ሂውማን ሄር’ ብማእኸላይ 15 ሽሕ ብር ወሰኽ ከም ዘርኣየ ነጋዶ ይዛረቡ። በዚ መሰረት ቅድሚ ሕጂ 18 ሽሕ ብር ዝነበረ ጸጉሪ ሕጂ ኣስታት 29 ሽሕ ብር ይሽየጥ ኣሎ። ‘ሂውማን ሄር’ ጥራይ ዘይኰነ፡ ቸኮሌት፣ ሽጋራ፣ ዕሹጋት ጽሟቕ፣ ማይን ልስሉስ መስተን፣ ዝተጠበሰ ድንሽ፣ ኣልኮላዊ መስተታት ከምኡ’ውን መመላኽዕቲ [መክኣፕ] ዝኣመሰሉ ኣቑሑ ካብ ሞንጐ ዝተኸልከሉ ዝርዝር 30 ኣቑሑ እዮም።ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ] ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ዝህልዋ ዓቕሚ ሸርፊ ወጻኢ ኣገደስቲ ንዝብሃሉ ከም ነዳዲ፡ ድኹዕን መድሃኒትን ዝበሉ ቀረባት ንምዕዳግ ጥራይ ዝኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣለዎ። ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ፡ ነጋዶ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከየእትውዎም ካብ ዝኸልከሎም ኣቑሑ ኣብ ዓመት 100 ሚሊዮን ዶላር ንከትርፍ ትጽቢት ይገብር። ኣገልግሎት ሕርሻ ወጻኢ ኣሜሪካ ከም ዝብሎ ኣብ 2021 ኢትዮጵያ፡ 18 ቢሊዮን ዶላር ወጻኢ ብምግባር ካብ ወጻኢ ኣቑሑ ኣእቲያ እያ። በዚ ምኽንያት ኣብ ሞንጐ ኣታውን ወጻእን ንግዲ [ኢምፖርት-ኤክስፖርት] ዘሎ ፍልልይ እናሰፍሐ መጺኡ’ዩ። ክኢላ ስነ ቁጠባ ኢንተርናሽናል ግሮውዝ ሰንተር ዝተባህለ ትካል ቁጠባ፡ ቴድሮስ መኮንን እዚ ሕጊ ዝወጽኣሉ ምኽንያት ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ሓደጋ ስለ ዝወደቐ’ዩ ይብል። “ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት” ‘ባላንስ ኦፍ ፔይመንት’ [ሚዛን ክፍሊት] ኢትዮጵያ ተናጊዑ’ዩ። ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን ከም ምኽንያት ክልዓሉ ይኽእሉ’ዮም። “ብተወሳኺ፡ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ፣ ናብ ወጻኢ እንልእዀም ኣቑሑ ከምኡ’ውን ካብ ወጻኢ ዝልኣኽ ገንዘብ [ሬሚታንስ] ምንካይ ኣርእዩ ኔሩ።” እቲ ክኢላ ስነ ቑጠባ ከም ዝብሎ፡ እቲ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ‘ካፒታል ኣካውንት’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ረድኤት፣ ልቓሕን ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወጻእን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣብጺሑ’ዩ። “ብጠቕላላ ኣታዊ ሸርፊ ወጻኢ ኢትዮጵያ ተጸልዩ’ዩ”። እቲ መምርሒ ብቐንዱ፡ ኣብ ባንክን ጸሊም ዕዳጋን ዘሎ ኣፈላላይ ዋጋ ዶላር ንምጽባብ ብዝብል ዝወጽአ ምዃኑ ኣቶ ቴድሮስ ይዛረብ። ብተወሳኺ፡ ነዞም ኣገደስቲ ዘይዀኑ ኣቑሑ ዝወጽእ ወጻኢ፡ ብፍላይ ድማ ገሊኦም ኣቑሑ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትው እንከለው በቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ሸርፊ ወጻኢ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ንምንካይ ዝተገብረ ምዃኑ የረድእ። እቲ ምኽልካል ‘ሌተር ኦፍ ክሬዲት’ ብመጽናዕቲ ከም ዝተደገፈ ዝገልጽ ብሄራዊ ባንከ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም 38 ኣቑሑ ዝተነብረ እገዳ ኤልሲ ብወግዒ ንዘይተፈልጠ እዋን ከም ዝጸንሕ ይጠቅስ። እዞም ምህርታት፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንክበራኸት ምኽንያት ምዃኖም’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ኤልሲ ምኽልካል መፍትሒ ይኸውን’ዶ? ኤልሲ (LC)፡ ‘ሌተር ኦፍ ክሬዲት’ ማለት እዩ። እዚ፡ ዓለምለኻዊ ንግዲ ብቐሊሉ ንምስላጥ ዘእኽእል መገዲ ምዃኑ ክኢላ ስነ ቑጠባ ቴድሮስ መኮንን ይጠቅስ። እዚ ማለት፡ ካብ ወጻኢ ኣቕሓ ዝሸይጥን ኣቕሓ ዝገዝእን ሰብ፡ ባንክንታት ንሓድሕዶም ዝሰማምዑሉ፣ እቲ ኣቕሓ ከም ዝተላእኸን ኣብ ቦታኡ ከም ዝበጽሐን ዘረጋግጽሉ መገዲ ከም ዝዀነ የረድእ። “ሓደ ሰብ፡ ዝዀነ ኣቕሓ ካብ ወጻኢ ከምጽእ እንተደልዩ ናብ ባንክ ከይዱ፡ ‘እዚ ኣቕሓ ንምዕዳግ ሸርፊ ወጻኢ ይደሊ’የ’ ይብል እሞ፡ ነዚ ዘምጽኣሉ ፍቓድ [ኢምፖርት ፐርሚት] ምስ ተዋህቦ ኤልሲ ይኸፍት”። ኤልሲ፡ ኣቕሓ ካብ ወጻኢ ንምእታው ዘኽእል ቀንዲ መገዲ ከም ዝዀነን ካልኦት መገዲታት [ንኣብነት ቲቲ ዝተባህለ ቅጥዒ] ከም ዘለውን እቲ ሙሁር ይዛረብ። ሕጂ፡ መንግስቲ ዘውጽኦ መምርሒ ነዞም ኣቑሑ ኤልሲ ከይኽፈት ይእዝዝ። ስለዚ፡ እዞም ኣቑሑ ብባንክ ምምጻእ ኣይክኣልን ማለት እዩ። “ሓደ ዓብዪ ሚስማር ንክትሃርም፡ ንዕኡ ዝምጥን ማርቴሎ ምጥቃም ኣድላዪ’ዩ” ብምባል፡ እታ ሃገር ዘጋጠማ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ዓብዪ ጸገም ኰይኑ እናሃለወ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ስጉምቲ ምውሳድ መፍትሒ ክኸውን ከም ዘይኽእል ኣብ ትካል ምርምር ሳይንስ ኩዌት ተመራማሪ ስነ ቑጠባ ዶክተር ኣየለ ገላን ይገልጽ። ንሱ፡ እዞም ምህርታት፡ ካብ ወጻኢ ከይኣትው ሸርፊ ወጻኢ ምኽልካል ወይ ‘ሌተር ኦፍ ክሬዲት’ ከይወሃቦም ምእጋድ፡ ነቲ ዘሎ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ስጉምቲ’ዩ ኢሉ ኣይኣምንን። “እቲ ክኸውን ዝግብኦን ንሃገር ዝጠቅምን ስለ ዘጠፍኦም ኣይኰነን፤ ግን ኣብዚ ውሽጢ ኢድ መንግስቲ ኣሲሮም ድላዮም ዝገብሩ ብዙሓት ኣለው’ዮም። ስለዚ ካብ መሰረቱ እንተተንኪፉ፡ እቶም ዓበይቲ [ጥቕሞም] ክትንከፍ’ዩ” ይብል። ኣቶ ቴድሮስ ብወገኑ፡ ብቐንዱ እቲ ኣብ ሞንጐ ጸሊም ዕዳጋን ባንክን ዘሎ ፍልልይ ዋጋ ሸርፊ ወጻኢ ንምጽባብ ካብ ሞንጐ ዘለው መፍትሕታት እቲ ሓደ ጥቡቕ ቑጽጽር ምግባር ከም ዝዀነ ይዛረብ። እቲ ቀንዲ መፍትሒ ግን፡ ሸርፊ ወጻኢ ብትኽክለኛ መገዲ ክስራሕ ዝገብሩ ፖሊሲታት ክቕረጹ ምግባር እዩ፡ ዝብል ኣቶ ቴድሮስ፡ ጽኑዕ ቁጽጽር ምግባር ዘላቒ ለውጢ ከም ዘየምጽእ ይሕብር። “ንኣብነት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለው ሹቓት ጸሊም ዕዳጋ ምዕጻው፡ ንዝተወሰነ እዋን ዋጋ እቲ ዶላር ክወርድን ምስ [ባንክ] ዝጸጋጋዕ ክኸውንን ይገብር እዩ። ጸኒሑ ግን እቲ ቑጽጽር ክልሕልሕ እንከሎ መሊሱ ሓፍ ይብል” ኢሉ። ዋጋ እቶም ሕጂ ዝተኸልከሉ ምህርታት ኣብዚ እቶ ዝብሃል ኣይኰነን ብምባል ዝካታዕ ዶክተር ኣየለ ብወገኑ፡ ልዕሊ እቲ ዝተፈቕደሎም ሸርፊ ወጻኢ ዝሓቱ ምህርታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትው እንከለው መንግስቲ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ኢትዮጵያ ክትረኽቦ ዝግባእ ሸርፊ ወጻኢ ከም ዝስኣነት ይዛረብ። እቲ ጸገም፡ “ካብ ምንጩ ክደርቕ እንከሎ’ዩ ዝፍታሕ” ዝብል እቲ ሙሁር፡ እዚ ከይትንከፍ ዝተደለየሉ ምኽንያት ግን “ኣብዚ ውሽጢ ነጋዶ ጥራይ ዘይኰኑ ዶላር ኣኪቦም ኣብ ወጻኢ ክተርፍ ዝሰርሑ ፖለቲከኛታት’ውን ስለ ዘለው’ዩ” ክብል ይነቅፍ። እቶም ዝንቀፉ ኣካላት በቶም ዝውሰዱ ስጉምታት ዘይትንከፍሉ ምኽንያት ድማ፡ “ሓደ ምስ ነጋዶ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ስለ ዘለዎም ኰይኑ፡ ካልኣይ ድማ ጸሊም ዕዳጋ ናይ ምጥፋእ ድልየት ስለ ዘይብሎም’ዩ” ክብል ዶክተር ኣየረ ይገልጽ። እቶም ሰብ ሞያ ግን፡ እቲ ሓድሽ መምርሒ ዘላቒ ክኸውን ድዩ ኣብ ዝብል ዓብዪ ሕቶ የልዕሉ። ኣየለ ገላን፡ ካልእ ዝሓሸ ናይ ሓጺር ጊዜ ኣማራጺ ዝብሎ፡ ‘ዱዋል ኤክስቼንጅ ሬት’ [በዓል ክልተ ተመን ሸርፊ] እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ? ከምቲ ንሱ ዝገልጾ፡ ‘ዱዋል ኤክስቼንጅ ሬት’ ማለት መንግስቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ልክዕ ከምቲ ነጋዳይ ብምስታፍ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንምንካይ ጻዕሪ ዝገብረሉ መገዲ እዩ። “እቲ ነጋዳይ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ብድፍረት ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝሳተፈሉ ምኽንያት ስለ ዘዋጽኦ [ስለ ዝኸስበሉ] እዩ” ዝብል ዶክተር ኣየለ፡ “መንግስቲ’ውን ከምቲ ነጋዳይ ዘይዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?” ብምባል ኣገዳሲ ስጉምቲ ከም ዝዀነ ይገልጽ። ነዚ፡ ተሞክሮ ኬንያ ከም ኣብነት ዘልዕል እቲ ተመራማሪ ዝዀነ ሰብ ናብ ኬንያ ክኣቱ እንከሎ ክንዲ’ቲ ዝደልዮ መጠን ዶላር ክዕድግ ከም ዝኽእል ይጠቅስ። “መንግስቲ ልዕሊ ነጋዳይ ገንዘብ ኣለዎ። ነጋዳይ ናብ ዝተፈላላያ ሃገራት እናዞረ ዝኣከቦን ኣብ ደገ ዘትርፎን ዶላር፡ መንግስቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብምስታፍ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣቱ ክገብር ይኽእል” እዩ ብምባል መፍትሒ ሓሳብ ዝብሎ የቕርብ። ኣቶ ቴድሮስ መኮንን ድማ፡ እቲ ሓድሽ መምርሒ ብዘይሕጋዊ መገዲ ምህርታት ዘእትው ሰባት ዚያዳ ከስቢ ክረኽቡ ክገብር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ። “እዞም ምህርታት ብኮንትሮባንድ ክኣትው ይኽእሉ’ዮም። ቁጽጽር ክግበር እንከሎ ክኣ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ንምፍጻም ዓቕሚ ስለ ዘይህሉ ክፍተታት ይፍጠሩ። ውሑዳት ሰባት ድማ ነዞም ክፍተታት ተጠቒሞም ብዙሕ ይኸስቡ” ይብል። በዚ ምኽንያት፡ እቲ መምርሒ ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ሓጋዚ ተራ ክህልዎ ከም ዘይኽእል ዝገልጽ እቲ ሙሁር፤ ብቐንዱ ሚዛን ኣታውን ወጻእን ክመጣጠን ከም ዘለዎ ሓቢሩ። “መንግስቲ ንርእሱ፡ ተጠቃሚ ሸርፊ ወጻኢ’ዩ። ብዙሓት ፕሮጀክታት ኣለዎ። ኣብዞም ፕሮጀክታት ክኣ ሰፊሕ ብኽነት’ዩ ዝርኣይ። መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘፍሪ ካብ ደገ ኣብ ምምጻእ እዩ ተዋፊሩ ዘሎ። ካብዚ ወጺእና ናብ ምፍራይ እንኣትወሉ መገዲ ክህሉ ኣለዎ።”ምንጪ ሓበሬታ፡ ካብ ወግዓውያን ገጻት ”bbc./tigrinya”፡ ቅድሚ ሰብና እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፡ነታ ኣብ ላዓሊ ዘላ Follow ትብል ጽቐጡ።ንዝወጸ ሓበሬታ ሼር ምግባር ኣይንሕመቕ።