ኣዳራሽ ሚለንየም፡ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኮሮና ቫይረስ ክህብ ጀሚሩ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፖለቲካዊ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ንጥፈታት ብምእንጋድ ዝፍለጥ ኣዳራሽ ሚለንየም፡ ዘድሊ ምድላዋት ተገይሩሉ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኮሮና ቫይረስ ክህብ ከም ዝጀመረ ፡ ዳይረክተር ናይ’ቲ ማእከል ዶ/ር እስማዒል ሸምሰዲን ገሊጹ። ንሱ እቲ ምድላዋት ንክልተ ኣዋርሕ ከም ዝቐጸለ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ እዋን መደቀሲ ሕሙማት ፡ ላቦራቶሪን ዝተፈላለዩ ማሽናትን ዓጢቑ ሕሙማት ይቕበል ምህላዉ ኣፍሊጡ።
ማእከል ሕክምና ሚለንየም ብተወሳኺ፡ መሳርሒታት ስፖርት ዝተዳለወሉ ኮይኑ፡ ንተሓከምቲ ዝተፈላለየ ጥዕናዊ ኣስተምህሮታት ዝህቡ ሰብ ሞያ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ።
እቲ ንኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ዘእንግድ ዝነበረ ኣዳራሽ ፡ ናብ ማእከል ሕክምና ክቕየር ዝተደልየሉ ምኽንያት ፡ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ክስዕቦ ንዝኽእል ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ