ኣዝዩ ዝሕዝን ፍጻሜ

ቱኒዝያ ን2 ደቒቕ ናብ ዙር 16 ሓሊፋ ነይራ…! ን3ይ ጸወታ ብሉጽ ብቕዓት ዘንጸባረቐት ቱኒዝያ፡ መበል 58 ደቒቕ ብመገዲ ሓለቓ ጋንትኣ ክሃዝሪ መሪሓ፡፡ ደኒማርክን ኣውስትራልያን 0-0 ስለ ዝነበራ ናብ 2ይ ተርታ ደይባ ሓለፈት ተባሂላ፡፡ ኣውስትራልያ ግን ድሕሪ 2 ደቒቕ ብመገዲ ለኪ ኣብ ልዕሊ ደኒማርክ ሸቶ ስለ ዘመዝገበት ቱኒዝያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ግኑን ዓወት ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ኣመዝጊባ እንዳ ሃለወት ክትሓልፍ ኣይከኣለትን፡፡ ቱኒዝያውያን ደገፍቲ ተፈራሪቕዎም፡፡ ግሬዝማን ኣብ 98 ደቒቕ ዘመዝገባ ሸቶ ምስራዛ ብሓጎስ ተጨዲዶም፡ ደኒማርክ ግን ኣይሓገዘቶምን፡፡ ዲድየር ዲሻምፕ 2 ካብ ቀዳሞት ተሰለፍቱ ጥራይ እዩ ካብ ፈለማ ኣውሪዱ፡፡ ፈረንሳን ኣውስትራልያን ብ6 ነጥቢ ተመራሪሐን ሓሊፈን፡ ቱኒዝያ ብ4 ነጥቢ 3ይቲ፡ ደኒማርክ ምስ ዝተገብረላ ትጽቢት ብውርደት ሓንቲ ነጥቢ ሒዛ ተኣልያ፡፡ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት Amanuel Alazar ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።