ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሚኒሶታ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ንሓደ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተሃብለ ጸሊም ኣሜሪካዊ ምቕታሎም

ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሚኒሶታ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ንሓደ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተሃብለ ጸሊም ኣሜሪካዊ ምቕታሎም ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
ሓደ ካብ ኣባላት ፖሊስ ከተማ ሚኒያቦሊስ ነቲ 46 ዝዕድመኡ ጸሊም ኣሜሪካዊ ኣብ ክሳብ ብብርኩ ብምጭፍላጭ’ዩ ቀቲሉዎ።
ጆርጅ ፍሎይድ ህይወቱ ቅድሚ ምሕላፋ ነቲ ክሳብ ዝረገጾ ፖሊስ “ከተንፍስ ኣይከኣልኩን” እናበሎ ዘርኢ ናይ ቪድዮ ስእሊ ፡ ንልቢ ብዙሓት ሰባት’ዩ ተንኪፉ