ኣብ ኣሜሪካ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ

ኣብ ኣሜሪካ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ፡ካብቶም ኣብ ኲናት ቬትናም ፡ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዝሞቱ ወተሃደራት ከምዝዛይድ ተገሊጹ።
እዚ ዝግለጽ ዘሎ ኣብታ ሃገር ብኮረና ቫይረስ ዝሞቱ 70 ሽሕ ፡ ዝተለኽፉ ድማ ሚእቲ ሽሕ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ዩ።
ኣሜሪካ ድሒሩ ኮሮና ቫይረስ ዝኣተዋ ሃገር’ኳ እንተኾነት፡ ብዝተራእየ ቅልጡፍ ምልባዕ ኣብ’ዚ እዋን ብብዝሒ ምውታትን መልከፍትን ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ፕረሲደንት’ታ ሃገር ዶናልድ ትራምፕ ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ቲ ምስፍሕፋሕ፡ እታ መበገሲት ናይቲ ቫይረስ ምዃና ዝንገረላ ቻይና ብዛዕባ’ቲ ቫይረስ እኹል ሓበሬታ ብዘይምሃባ’ዩ ዝወቕሳ።
ቻይና ብወገና እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘጋጠመ መቕዘፍቲ ብሸለልትነት ዝሰዓበ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንኣበጋግሳ ኮሮና ቫይረስ ብዝምልከት ዓለምለኻዊ መርመራ ኪግበር ቅሩብነታ ገሊጻ’ያ።