ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 1991 ዝመጸ ለውጢ መስመሩ ዝሰሓተ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 1991 ንስርዓት ደርግ ኣልዩ ዝመጸ ለውጢ፡ ካብ ኣጀማምራኡ ኣትሒዙ መስመሩ ዝሰሓተ ምንባሩ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰልፊ ኦነግ ኣቶ ቀጀላ መገርሳ ገሊጹ።
ኣቶ ቀጀላ፡ ብምኽንያት 20 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ’ቲ ህወሓት ዝኽተሎ ዝነበረ ዘይቅኑዕ ኣካይዳ ኣብ ሞንጐ ኦነግን ህወሓትን ፡ ንስርዓት ደርግ ንምውዳቕ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ከይተረፈ ጽቡቕ ርክብ ከምዘይነበሮም ኣፍሊጡ።
ብኻልእ ሸነኽ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሞንጐ ዝተፈላለያ ብሄራት ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ፍልልያት ፡ ውጽኢት “ፖሊሲ ህወሓት’ዩ” ክብል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ተወላዲ ጋምቤላ ኣቶ ኦባንግ ሜቶ ወቒሱ።
ንሱ ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ፡ ኣብ ናይ ህወሓት ናይ ስልጣን ዘመን፡ ኣብታ ሃገር ጽርግያታት’ኳ እንተተሃንጸ፡ “ናይ ፍቕሪ መገዲ ግን ኣይተሃንጸን” ኢሉ። ኣብ’ዚ እዋን ንዝመጸ ለውጢ