ባንግላደሽ

ኣብ ባንግላደሽ፡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ፡ ብውሕዱ 30 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ባንግላደሽ፡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ፡ ብውሕዱ 30 ሰባት ሞይቶም።
እቲ ሓደጋ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ጀላቡ ድሕሪ ዘጋጠመ ምግጫው ከምዝሰዓበ ዝገልጹ ሰብ-መዚ
ባንግላደሽ፡ ዛጊት ቍጽሮም ዘይተነጸረ ደሃዮም ጠፊኡ ብምህላዉ፡ ቍጽሪ ምውታት ክዛይድ
ከምዝኽእል ኣሚቶም ኣለዉ።
እዚ ኣብ ከባቢ ርእሰ-ከተማ ዳካ ዝተኸስተ ሓደጋ፡ ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ካብ
ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ተርእዮታት ዝዓበየ ሰብኣዊ ክሳራ ዘውረደ ኮይኑ’ሎ።
ጽዑቕ ምንቅስቓስ ጀላቡ ኣብ ዝካየደላ ባንግላደሽ ብዘጋጥም ተደጋጋሚ ሓደጋታት ጀላቡ፡ ሰብኣውን
ንዋታውን ክሳራታት ከምዝስዕብ፡ ጸብጻባት ይገልጹ።