ሓደጋ በርቂ

ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ብዘጋጠመ ሓደጋ በርቂ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ክልተ ክፍላተ-ሃገር ብዘጋጠመ ሓደጋ በርቂ ልዕሊ 100 ሰባት
ከምዝሞቱ፡ ንሰብ-መዚ ሲቪላዊ ድሕነት ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

ኣብ ዞባ ‘ኡታር ፕራደሽ’ ብዝተኸስተ በርቂ ዝዓበለሎ ኩነታት ኣየር ብውሑዱ 24 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ
ክፍላተ-ሃገር ቢሃር ድማ ብ25 ሰነ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ፡ 84 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።
ብጠቕላላ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት 107 ሰባት ብሓደጋ በርቂ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ፡ ሰብ-መዚ ሲቪላዊ
ድሕነት ህንዲ ኣነጺሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬድራ ሞዲ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ትዊተር ገጻቱ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ፡ ምምሕዳራት’ተን ክፍላተ-
ሃገር፡ በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ብኣሉታ ንዝተጸልወ ከባቢታት ሰብኣውን ንዋታውን ደገፍ ክገብራ ምዃነን ሓቢሩ’ሎ።
ብመሰረት ጸብጻባት ምክትታል ሜትርዮሎጂ፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ብሓፈሻ ኣብ ህንዲ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ
ወርሓት ግንቦትን ሰነን ሓደጋታት በርቂ ብብዝሒ ከምዝኽሰት፡ ብሰንኩ ድማ ብቐሊል ዘይግመት ሰብኣዊ ክሳራታት
ከምዝስዕብ የነጽሩ።
ኣብ ህንዲ፡ ኣብ 2017 ልዕሊ 2,880፡ ኣብ 2018 ድማ ልዕሊ 2,350 ሰባት፡ ብሓደጋ በርቂ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ
ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ዞባ ኡታር ፕራዴሽ ጥራይ፡ ኣብ 2019 ልዕሊ 230 ሰባት ብበርቂ ከምዝሞቱ፡ እቶም ጸብጻባት ይጠቕሱ።
መብዛሕትኦም ግዳያት ናይ’ዚ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ግራውቶም ንምድላው ዝወፍሩ ኣካላት ሕብረተ-ሰብ ህንዲ ምዃኖም
ይግለጽ።

ቊጠባ ህንዲ ብቐንዱ ኣብ ሕርሻ ዝምርኮስ ምዃኑ ዝሕብሩ ጸብጻባት፡ ቀንዲ ምንጪ ማይ ናይ’ዚ ድማ፡ እቲ ካብ ሰነ
ክሳብ መስከረም ዝወቅዕ ዝናብ ምዃኑ ይገልጹ።