ኣብ ሃገረ ቻይና ሓደገኛ ሓድሽ ቫይረስ ከምዝረከቡ ተመራመርቲ እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣብ ሃገረ ቻይና ኣብ መጸኢ ሓደገኛ ዓለማዊ ተላባዒ ሕማም ክምጽእ ዝኽእል ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ከምዝረከቡ ተመራመርቲ እታ ሃገር ገሊጾም። እቲ ሓድሽ ቫይረስ፡ ብቐሊሉ ቅርጹን ባህሩን ክቐያይር ዝኽእል ዓቅሚ ዘለዎ ኮይኑ፡ብቐሊሉ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላላፍ ስለዝኽእል፡ ዓለማዊ ለበዳ ከየኸትል ብምባል ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም ኣለዉ።