ኣባል ሃገራት ‘ኣስያን’፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምሕዋይ ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን።

ኣባል ሃገራት ውድብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ማለት ‘ኣስያን’፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንዝወረደ
ቍጠባዊ ክሳራ ንምሕዋይ ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን።
እቲ ስምምዕ፡ መራሕቲ ናይተን ሃገራት ኣብ’ዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘካየድዎ መበል 36 ዓመታዊ
ዋዕላ’ዩ ተበጺሑ።
ኣባል ሃገራት፡ ነቲ ቍጠባዊ ክሳራታት ንምሕዋይ ገዚፍ ባጀት ክስላዓ ከምዝኽእላ፡ ኣብ’ቲ ርክብ
ተኣሚቱ።
ብዘይካ’ዚ፡ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ‘ኣስያን’፡ ኣብ ጸጥታዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ቴክኖሎጂኣውን ስነ-
ፍልጠታውን መዳያት ዘለዎም ምትሕግጋዝ ከዕዝዙ ተረዳዲኦም።
እቲ ዋዕላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ክካየድ’ኳ እንተነበሮ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቭይረስ
ከምእተሰጋገረ ተፈሊጡ።
ኣብ 1967 ዝተመስረተ ውድብ ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ፡ ንቬትናም፡ ታይላንድ፡ ብሩነይ፡
ካምቦድያ፡ ኢንዶኔዥያ፡ ላኦስ፡ ማሌዥያ፡ ምያንማር፡ ፊሊፒንስን ሲንጋፖርን ይሓቍፍ።