ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ጐንደር ንዝተፈጥረ ጸገም ዝሃቦ ጸብጻብ ሚዛናዊነት ዝጎደሎን ምዃኑ ተገሊጹ

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ምዕራብ ጐንደር ንዝተፈጥረ ጸገም ኣመልኪቱ ዝሃቦ ጸብጻብ ዝንቡዕን ሚዛናዊነት ዝጎደሎን ምዃኑ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ገሊጹ። እቲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ካብ ኣበጋግሳ ናይቲ ግጭት ጀሚሩ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ሕደ ወገን ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ብምዃኑ፡ ብዙሃት ሃጓፋት ዘለዎን ሚዛናዊነት ዘይሓለወን’ዩ ክብል ኣቶ ግዛቸው ነቒፉ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራ ከይተወከሰ ንዘቕረቦ ጸብጻብ ድማ “ብህጹጽ ክእርሞ ይግባእ” ኢሉ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብሄር ቅማንት ጥራይ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸሞምን ከም ሳዕቤኑ ድማ ከም እተፈናቐሉን ኣምሲሉ ዘቕረቦ ጸብጻብ ነቲ ግጭት መሊሱ ዘብእሶ ምዃኑ ብምምልካት፡ እቲ ውድብ ንዘውጽኦ ዝንቡዕ ጻብጻብ ዳግማይ ክርእዮ ኣቶ ግዛቸው ኣተሓሳሲቡ።