ኣሜሪካ

ኣሜሪካ ምስ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንዝነበራ ዝምድና ኣቃሪጻቶ

ኣሜሪካ ምስ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንዝነበራ ዝምድና ከምዘቋረጸትን ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ቻይናን ሆንግኮንግን ድማ እገዳ ከምዝበየነት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።
ኣሜሪካ ምስ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝነበራ ዝምድና ዘቋረጸት ፡ እቲ ውድብ ጸግዒ ቻይና ብምሓዝ ንኮረና ቫይረስ ዝምልከት ዘድሊ ሓበሬታ ክህብ ስለዘይከኣለ ምዃኑ’ዩ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝወቅስ።
በዚ ፕረዚደንት ትራምፕ ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዓመታዊ ካብ ኣሜሪካ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣስታት ሓምሽተ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክስእን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። በዚ ኣጋጣሚ ኣሜሪካ ምስ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንዝነበራ ዝምድና ከተቋርጽ ምውሳና፡ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ሕብረት ኤውሮጳ ጸዊዑ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ቻይናን ሆንግኮንግን እገዳ ገይራ’ላ። ኣሜሪካ ነዚ ስጉምቲ እትወስድ ዘላ ቻይና ኣብ’ታ ኣካል ልኡላዊ ግዝኣት ቻይና ምዃና እትገልጻ ሆንግኮንግ ዝትግበር ሕግታት ሃገራዊ ድሕነት ድሕሪ ምጽዳቓ’ዩ።