ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮረና ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 1172 በጺሑ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ፡ ኣብ ልዕሊ 2836 ሰባት ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራ ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽፉ 109 ሓደስቲ ሰባት ብምርካቦም ፡ ብዝሒ ብኮረና ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 1172 ከም ዝበጽሐ ሚኒስትሪ ጥዕና’ታ ህገር ኣፍሊጡ።
እቶም ቫይረስ ዝተረኽቦም 61 ደቂተባዕትዮን 48 ደቂ ኣንስትዮን ክኾኑ እንከለዉ፡ ዕድመኦም ካብ 5-70’ዩ ዝበጽሕ። ኩላቶም እቶም ቫይረስ ዝተረኽቦም ኢትዮጵያዊያን ኮይኖም፡ 99 ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ክልተ ካብ ትግራይ፡ 5 ካብ ኦሮሚያን ሰለስተ ድማ ፡ ካብ ክልል ሃረር ምዃኖም ተፈሊጡ።
ነቶም ኣብ 24 ሰዓታት ዝሞቱ 3 ወሲኽካ ድማ ቁጽሪ ናይ’ቶም ብለበዳ ቫይረስ ዝሞቱ 11 በጺሑ’ሎ። ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ሕማም ዝሓወዩ’ውን 209 ከም ዝበጽሐ ጻብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብተወሳኺ የመልክቶ።