ኢትዮጵያን ሱዳንን

ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህይወት ብዝሰዓበ ጉድኣት

ዝሓለፈ ሓሙስ 28 ግንቦት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህይወት ብዝሰዓበ ጉድኣት ሓዘን ከም እተሰምዖ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ኢትዮጵያ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስትሪ ነዚ ኣመልኪቱ ብ31 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ግጭት ግዳይ ናይ ዝኾኑ ቤተ ሰብ ጽንዓት ተመንዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ጸገም ንምፍታሕን ንምጽራይን “ብሓባር ክሰርሓ ይግባእ” ኢሉ። ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ ምምሕዳር ከባቢታት’ውን ቀጻሊ ምትሕብባር ገብሩ ከም ዝግባእ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ብዝሓሸ ኣገባብ ንምፍታሕ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘሎ ጽቡቕ ሕውነታዊን ሰላማውን ዝምድና ከም ዝምርኰስ ብምጥቃስ፡ እቲ ፍጻሜ ነቲ ኣብ ሞንጐ ክልቲኡ ህዝቢታት ዘሎ ዱልዱል ዝምድና ኣይጸልዎን’ዩ ኢሉ።