ንብዙሓት ኣገሪሙ ዘሎ ናብ መቐለ ዘኣተወ መድሃኒት

ሓደራ እዚ መስደመም ሚስጢር ዘሓዘ ሓበሬታ ናብ ክሎም ወገናትና ንኽበጽሕ ብተገዳስነት ሼር ንግበሮ። ኣዲኣ ኣብ ውሽጢ ከተማ መቐለ ቤትመሸጣ መድሃኒት (ፋርማሲ) ኣለዋ። ንመጀመርታ እዋን ትራማዶል ዝወሓጠትሉ ኣጋጣሚ፡ ካብቲ ሽዑ ዝስምዓ ዝነበረ ቃንዛ ከህድአላ ብዝብል እምበር ጐናዊ ሳዕቤናቱ ኣብ ግምት ብምእታው ኣይነበረን። “መጀመርታ ኣይፈልጥን ነይረ፤ ሓያል ሕማም ርእሲ ይሕመኒ ስለ ዝነበረ ንዕኡ ከዐግሰለይ ኢለ እየ ወሲደዮ” ትብል። እንተዀነ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ ስምዒታታ ክቀያየር ጀሚሩ። ምንጩ ዘይትፈልጦ ናይ ደስታ ስምዒት ድማ ንኣዋርሕ ክስምዓ ጀመረ። “እንታይ’የ ኰይነ ይብል። ኣብ ገዛ እንታይ ይጽበየኒ ኣሎ? ደሞዝ’ዶ ክኣትወለይ ኢሉ? እናበልኩ ምንጩ ዘይፈልጦ ናይ ደስታ ስምዒት ይስምዓኒ” ኢላ። ሃናን፡ ናይዚ ምንጪ ንምፍላጥ ‘ጉግል’ ክትገብር እንከላ፡ ውጽኢት ትራማዶል ምዃኑ ፈሊጣ። እቲ ንሳ እትፈልጦ ዓይነት ትራማዶል ኣብ ክልተ ከም ዝኽፈል ትዛረብ። እዚ፡ ፍርያት ጀርመንን ውሽጢ ዓድን ኰይኑ፡ “ልክዕ ይኹን ኣይኹን እኳ እንተዘይፈለጥኩ፡ እቲ ናይ ጀርመን ኢልና እንገዝኦ፡ ኣብ ውሽጢ ‘ሓያል ናይ ደስታ ስምዒት’ የጥሕለና’ዩ ኢልና ንኣምን። ብዘይ ዝዀነ ምኽንያት እዩ ሕጉስ ዝገብረካ” ትብል። ድሕሪኡ፡ እቲ ከኒና ክትወስድ ኣብ እትደልየሉ እዋን ካብ ፋርማሲ ኣዲኣ እናወሰደት ክትጥቀመሉ ጀሚራ። ግን ቀስ ብቐስ እቲ መድሃኒት እናኸበዳ ስለ ዝመጽአ፡ ናብ ወልፊ ቅድሚ ምቕያሩ ጠጠው ከም ዘበለቶ ትዛረብ። “[ሕጉስቲ ምዃን] ማንም ሰብ ዝደልዮ ስምዒት’ዩ፤ ግን እዚ ሓቀኛ ኣይኰነን። እቲ መድሃኒት ወልፊ የትሕዝ’ዩ፤ ፈጣሪ ይመስገን ኣብኡ ኣይበጻሕኩን። ቁሩብ ምስ ተጠቐምኩሉ እንታይ ይገብር ከም ዘለኹ ስለ ዝተረድኣንን ብቐሊሉ ይረኽቦ ስለ ዝነበርኩን ኣፍሪሑኒ። ድሕሪኡ ገዲፈዮ”። ትራማዶል እንታይ’ዩ? ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ኣብ 2017፡ ኢንግሊዛዊት ላውራ ፕላመር፡ 300 መዐገሲ ቃንዛ ዝዀነ ትራማዶል ሒዛ ናብ ግብጺ ብምእታዋ ንሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዳ ነይራ። ማእሰርቲ እታ ውልቀሰብ ንብዙሓት ኢንግሊዛውያን ከሰንብድ እንከሎ፡ እቲ ጉዳይ ግን ኣብ ግብጺ ዘሎ ጸገም ሚሊዮናት ዝዀነ ወልፊ ትራማዶል ንኽቃላዕ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ብዙሓት መናእሰይ፡ ‘ኦፒዮይድ’ ዘለዎ መዐገሲ መድሃኒት ዝዀነ ትራማዶል ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክወስዱ ይጅምሩ’ዮም። ሰብነቶም ትራማዶል ዝለመደ ሰባት፡ ኣብ ውሽጦም ብዝፈጥሮ ናይ ምንቕቓሕ ስምዒት፡ ‘ምስ ወሰድኩዎ፡ ኩሉ ነገር ክገብር ከም ዝኽእል ይስምዓኒ . . .’ ፣ ‘ኩሉ ነገር’ዩ ዘረስዓኒ’ ይብሉ። ብዙሓት ሰባት፡ ሓደ ፍረ ኢሎም ጀሚሮም፡ ናብ ክልተ፣ ሰለስተ . . . የምርሑ። ብሰንኩ ምስ ተወለፉ ግን ብቐሊሉ እዚ መድሃኒት ንምግዳፍ ይጽገሙ። ሃናን፡ “ካብ ሓደ ፍረ ከኒና ንላዕሊ’ኳ ወሲደ ኣይፈልጥን፤ ዝፈልጦም ሰባት ግን እቲ ‘ዶዝ’ እናወሰኹ’ዮም ዝኸዱ” ብምባል ትዕዝብታ ተካፍል። ትራማዶል፡ ዋጋኡ ሕስር ዝበለን ማእኸላይ ቃንዛ ንምዕጋስ ዝውዕልን መድሃኒት’ኳ እንተዀነ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ‘ኦፒዮድ’  ወልፊ ዘትሕዝ’ዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብጠቕላላ “ትራማዶል፡ ብመንጽር ሞርፊን፡ ትሑት ጽግዕተኛ ናይ ምዃን ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ’ዩ ዝግመት” ይብል። ኣብ ኢትዮጵያ ብሕታዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ኣእምሮ ዝሰርሕ ዶክተር ዮናስ ላቀው፡ ‘ኦፒዮድ፤ ብብዝሒ ቃንዛ ንምዕጋስ ዝውዕል ኰይኑ፡ ትራማዶል ኣብ ትሕቲኡ ዝርከብን ወልፊ የትሕዙ’ዮም ካብ ሞንጐ ዝብሃሉ መድሃኒታትን ከም ዝዀነ ይዛረብ። “እዞም መድሃኒታት፡ ብሓፈሻ ዘስዕቡዎ ወልፊ ከቢድ’ዩ። በዚ መንጽር ክርኣይ እንከሎ ትራማዶል ሓያል ዝብሃል ኦፒዮድ ኣይኰነን። እቶም ኣፋውስ ናይ ምንቕቓሕ ጽልዋ ስለ ዘለዎም፡ ገለ ሰባት ነዚ ኢሎም ክወስዱዎም ይኽእሉ’ዮም” ብምባል የረድእ። ቃንዛ ንምዕጋስእ ዝውሃቡ መድሃኒታት ‘ኦፒዮይድስ’ ደረጅኦምን ዓይነቶምን ዝተፈላለየ እዩ። ንኣብነት ሞርፊን፡ ኣብ ጽኑዕ ክፍሊ ሕክምና እምበር ኣብ ዝዀነ ሆስፒታል ወይ ፋርማሲ ዝርከብ ኣይኰነን ዝብል ዶክተር ዮናስ፡ ካብኡ ትሕት ዝበለ ድማ ‘ፔቲዲን’ ዝብሃል ኰይኑ፡ ወልፊ እዚ መድሃኒት ካብቲ ካልእ ሕብረተሰብ ብዝተፈለየ ብብዝሒ ኣብ ሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝርአ ዶክተር ዮናስ ይገልጽ። ካብዞም መድሃኒትታት ብደረጅኡ ኣብ መወዳእታ ዝስራዕ ትራማዶል እዩ። እዚ፡ ምስቶም ኣብ ዝርዝር ኦፒዮድ ዘለው መድሓኒታት ክወዳደር እንከሎ ዘስዕቦ ጉድኣት ወይ ወልፊ ናይ ምዃን ዓቕሙ ዝተሓተ ምዃኑ የረድእ። “ከምኡ ይኹን እምበር፡ ወልፊ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ። መናእሰይ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክወስዱዎ ይርአ’ዩ። ‘ፋሽን’ እውን ኰይኑ ኣሎ። ንምንቕቓሕ እናበሉ መናእሰይ ይወስዱዎ ከም ዘለው ንሰምዕ ኢና” ብምባል ኣብ ስርሑ ዘጋጠሞ ምዃኑ ይጠቅስ። ‘ኦፒዮድ’ እንታይ’ዩ? ‘ኦፒዮድስ’፡ ካብ ኮዴይን ክሳብ ሄሮይን ዝተባህለ ዕጸ-ፋርስ ዘካትት መድሃኒት እዩ። እዚኦም፡ ብትእዛዝ ሓኪም ዝወሃቡ ኦፒዮድ፡ ብቐንዱ ሕማም ወይ ቃንዛ ንምዕጋስ ክውሰዱ እንከለው፡ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮና ምስ ዘለው ኦፒዮድ ዝቕበሉ ዋህዮታት ብምትእስሳር ቃንዛ ክስምዓና ዝገብር ነገር ብምዕጋት ናይ ደስታ ስምዒት ክሓድረና ይገብሩ። መብዛሕትኦም፡ ኣዝዩ ሓያልን ብሕጋዊ መገዲ ብትእዛዝ ሰብ ሞያ ሕክምና ጥራይ ዝርከቡን እዮም። እዚኦም፥ ሞርፊን ትራማዶል ሜታዶይን ዲያሞርፊንን ኣልፌንታኒልን ዘካተቱ እዮም ኦፒዮይድ፡ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ቃንዛ ንምዕጋስ ይውዕሉ። እዚኦም፡ ንከም ኣስፕሪን፣ ኣይቡፕሮፊንን ፓራሲታሞልን ዝበሉ መዐገሲታት ቃንዛ ዘይምለስ ሕማም ንምዕጋስ ንዝተወሰነ ዓይነታት ሕማም ጥራይ ክውሰዱ ይምከር። ትራማዶልን ካልኦት መድሃኒታት ኦፒዮይድን ቃንዛ ወይ ሕማም እዮም ዘዐግሱ። ግን ክኣ፡ ጐናዊ ሳዕቤናት ኣለዎም። እዞም መድሃኒታት፡ ኣብ ገለ ሰባት ብኢንግሊዘኛ ‘ዩፎሪያ’ ዝብሃል ደስ ደስ ዘብል ስምዒት ይፈጥሩ። ‘ውሉፋት ሰብ ሞያ ሕክምና’ ‘ታሪኻት ሆስፒታል ኣማኑኤል’ ዝብል 12 ሓጸርቲ ታሪኻት ዝሓዘ መጽሓፍ፡ መዐገሲ ቃንዛ ተባሂሉ ዝተዋህበ መድሃኒት ብኸመይ ወልፊ ከም ዝኸውን ዘርኢ ሓደ ታሪኽ ኣለዎ። ጸሓፊ እዚ መጽሓፍ ዶክተር ዮናስ፡ ሓደ ልበ-ወለዳዊ ዝዀነ ሓኪም ብመርፍእ ዝውሰድ መዐገሲ መድሃኒት ወልፊ ኰይኑዎ ህይወቱ ክጐሳቘል እንከሎ የርኢ። እዚ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ብብዝሒ ዝወስዱዎ መዐገሲ ቃንዛ ‘ፔቲዲን’ ከም ዝዀነ ዝዛረብ እቲ በዓል ሞያ፡ ኣዝዩ ልዑል ቁጽጽር ዝግበረሉ መድሃኒት ምዃኑ ይዛረብ። “እዚ መድሃኒት፡ ዓይነት ትራማዶል ኰይኑ ብጥንካርኡ ልዕል ዝበለ ስለ ዝዀነ ቃንዛ ናይ ምዕጋስ ዓቕሙ’ውን ልዕል ዝበለ’ዩ። እዚ መድሃኒት ክውሰድ እንከሎ ኣብ ገለ ሰባት ዝፈጥሮ ናይ ደስታ ስምዒት ሓፍ ዝበለ ስለ ዝዀነ ልዑል ተኽእሎ ወልፊ ኣለዎ። ዋጋኡ ክቡር ስለ ዝዀነ ግን መናእሰይ ብቐሊሉ ዝረኽቡዎ ኣይኰነን” ይብል። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮና ለውጥታት ስለ ዝፍጠሩ፡ ዝዀነ ደስታ ዘምጽእ ነገር ወልፊ ናይ ምዃን ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዝዛረብ ዶክተር ዮናስ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ እዚ ስምዒት ጠጠው ይብል እሞ፡ ሰብነትና ስሩዕ ስርሑ ንክሰርሕ እቶም ዝለመዶም ነገራት ምድላይ ከም ዝጅምር ይገልጽ። ይኹን’ምበር፡ ሰባት ነዚ ስምዒት ዝፈጥሮም ነገር ጠጠው ከብሉዎ እንከለው፡ “ምልክታት ‘ዊዝድረዋል’ የርእዩ። ንኣብነት ትራማዶል ዝወስዱ ዝነበሩ ሰባት ሃንደበት እንተዘይ ወሲዶም፡ ደስተኛ ዘይኰነ (‘አንፕሊዛንት’) ስምዒት ይስምዖም፤ ምቾት ዝኸልእ ኣካላዊ ለውጥታት የርእዩ። “ርሃጽ፣ ሕርቃንን ጭንቀትን ዝበሉ ስነ ልቦናዊ ለውጥታት የርእዩ። ወልፊ ኣብዚ ደረጃ እንተበጺሑ፡ ሰብነት ይደልዮ’ዩ። በዚ ምኽንያት ክኣ ኣብ ዕንክሊል ኣይኣትው” ክብል የረድእ። ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ሓደ ፋርማሲስት መደብር ጥዕና መንግስቲ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ትራማዶልን ካልኦት መድሃኒታትን ምጥቃሞም ናይ ኣደባባይ ሚስጢር’ዩ ይብል። ትምህርቲ ሕክምና ጀሚራ ከም ዝነበረት እትዛረብ ሃናን’ውን፡ ከምኡ ዶኳትርን ነርሳትን ምስቲ ዘለዎም ጸቕጢ ትራማዶልን ካልኦት መድሃኒታት ኦፒዮድን ከም ዝወስዱ ይፈልጥ’የ ኢላ። መንግስቲ እንታይ ይብል? ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት፡ ትራማዶል ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ከም ዝሽየጥ መጽናዕቲ ቤት ጽሕፈት መድሃኒት ሕቡራት መንግስታት የመልክት። እዚ ትራማዶል ዝተባህለ ጸረ ቓንዛ፡ ብብዝሒ ካብ ሃገራት ኤዥያ’ዩ ዝመጽእ። ማሊ፣ ቤኒን፣ ግብጽን ሞሮኮን፡ እዚ ወልፊ ዘትሕዝ መድሃኒት ብብዝሒ ዝኣትወለን ሃገራት እየን። ዋላ’ኳ እዞም ወልፊ ዘትሕዙ መድሃኒታት ኦፒዮድ ብብዝሒ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይርከቡ እንተዀኑ፡ ትራማዶል ግን ካብ ቀረባ ግዜያት ንነጀው ብብዝሒ ኣብ ዕዳጋ ይርአ’ሎ። ክኢላ ፋርማሲ ዝኰነ መንእሰይ፡ ኣብቲ ሕጂ እቲ ኣገልግሎት ዝህበሉ ዘሎ ትካል ጥዕና ካብ ዝቑጸር ልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዝገበረን መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት መናእሰይ ውሉፋት ትራማዶል ኰይኖም ከም ዝርኣየን ይዛረብ። መንእሰያት፡ እዚ መድሃኒት ምስ ካልኦት ወልፊ ዘትሕዙ ዕጻት  ብሓባር ከም ዝወስዱዎ ይገልጽ። እቲ መድሃኒት፡ “ክቡር ኣይኰነን” ዝብል እቲ ፋርማሲስት፡ ኣብቲ ንሱ ዘገልግለሉ መደብር ጥዕና፡ 10 ፍረ ዝሕዝ ዕሹግ 12 ብር 50 ሳንቲንም እዩ ዝሸጦ። “ኣብ መዓልቲ ክልተ ጊዜ እዩ ዝፍቀድ። ሓንቲ ፍረ 50 ሚሊ ግራም እያ፤ ብሓደ ግዜ 100 ሚሊ ግራም ምውሳድ ይክኣል’ዩ። ግን ድማ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 200 ሚሊ ግራም ኣይፍቀድን። ገለ ሰባት ክሳብ ኣርባዕተ ፍረ እዮም ዝወስዱ፤ እቲ ዝገዝኡዎ ዕሹግ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክውድኡዎ ይኽእሉ”። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጠቓቕማ ንሕክምናን ቃንዛ ንምዕጋስን ዝውሰዱ መድሃኒታት ብዙሕ ጸገም ከም ዘሎ በዓል መዚ መግብን መድሃኒትን ገሊጹ ነይሩ። ብፍላይ ካብ ቀረባ ዓመታት ንድሓር፡ ተመሃሮ ካልኣይ ብርኪ ዝዀኑ መናእሰይ የዘውትሩዎ ከም ዘለው ዝግለጽ ከቢድ ወልፊ የትሕዝ ኣሎ ዝብሃል ትራማዶል ዝተባህለ መዐገሲ መድሃኒት ዝምልከት ድማ ጥቡቕ ቁጽጽር ይግበር ከም ዘሎ ሓቢሩ። እቲ በዓል መዚ፡ ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማን ባህርን እቲ መድሃኒት ብዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ መድሃኒት ቃንዛ ካብ ምዕጋስ ሓሊፉ ብተደጋጋሚ እንተተወሲዱ ወልፊ ናይ ምትሓዝ ባህሪ ዘለዎ ምዃኑ ስለ ዝተፈልጠ ብጥቡቕ ቁጽጽር ክሽየጥ ኣለዎ ዝብል መምርሒ ኣሕሊፉ ኣሎ። ዳይሬክተር በዓል መዚ መግብን መድሃኒትን ኣስናቀች ኣለሙ፡ “እዚ መድሃኒት ካብ ዝርዝር ብዘይ ትእዛዝ ዝሽየጡ መድሃኒታት ክወጽእ መምርሒ ኣውጺእና ኢና፤ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ መስርዕ ፍሉይ ቁጽጽር ዘድልዮም ኣፋውስ ኣትዩ’ዩ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ኢትዮጵያ፤ ናርኮቲክን ሳይኮትሮፒክን ዝበሃሉ ልዑል ቁጽጽር ዝግበረሎም ዓይነታት መድሃኒት ስምምዕ ፈሪማ ከም ዝተቐበለቶም እትገልጽ እታ ዳይሬክተር፡ ድሕሪ ሕጂ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣቱ እንከሎ ኰነ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክፈሪ እንከሎ ፍሉይ ፍቓድ ከም ዘድልዮ ሓቢራ። ትራማዶል፡ ቅድም ኢሉ ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ክሽየጥ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ግን እዚ ከም ዝተረፈ እቲ ዘዘራረብናዮ ክኢላ ፋርማሲ ገሊጹ። መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ፡ እዚ መድሃኒት ክጅምሩዎ እንከለው ብትእዛዝ ሓኪም ከም ዝዀነ ዝገልጽ እቲ ክኢላ፡ ድሕሪኡ ግን ወልፊ ስለ ዝሕዞም ብዘይ ትእዛዝ ከይዶም ምግዛእ ይጅምሩ ይብል። “ሕብሪ እቲ መድሃኒት ሰማያዊ ስለ ዝኰነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ‘እታ ሰማያዊት መድሃኒት ሃበኒ’ እናበሉ ይመጽኡ”። ትካላት ጥዕናን ፋርማሲታትን እዞም መድሃኒታት ብቓልዕ ንከየቐምጡ ወይ ብምዕጻው ልዑል ቁጽጽር ንክግበረሎም መምርሒ ከም ዝወጽአ እትገልጽ ወይዘሮ ኣስናቀች፡ “ዓለምለኸ ቦርድ ቁጽጽር ናርኮቲክ ኣብ ዝርዝር ቁጽጽር ዘድልዮም መድሃኒታት ከየእተዎ ብምጽንሑ፡ ጐናዊ ሳዕቤኑ እናተፈልጠ ክሽየጥ ጸኒሑ’ዩ” ብምባል፡ ሕጂ ትራማዶልን ፔቲዲንን ቁጽጽር ንክግበረሎም ከም ዝተገብረ ኣብሪሃ። እዚ ሓድሽ መምርሒ ዘየተግበሩ ኣካላት ስጉምቲ ከም ዝውሰዶም እቱ በዓል መዚ ኣጠንቂቑ’ሎ። “ንኣብነት፡ ኣምጻእቲ ብዘይተፈቕደ ኣገባብ እቲ ምህርቲ ከዘዋውሩ እንተተረኺቦም፡ ስጉምቲ ክውሰዶም’ዩ፤ ብገበን’ውን ክሕተቱ’ዮም”። ወልፊ መድሃኒት ሕክምና ኣለዎ’ዶ? ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ፡ ቤት ትምህርቲ ሚሊንየም፡ ክኢላ ስነ ልቦና ዝዀነ ኣቤል ወልደሚካኤል፡ ካብ ወልፊ መድሃኒታት ብሕክምናን ሞያዊ ሓገዝን ምሕዋይ ከም ዝክኣል ይዛረብ። መንእሰያት፡ ብብዝሒ ግዳያት ወልፊ ትራማዶል ከም ዝዀኑ ዝዛረብ እቲ በዓል ሞያ፡ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ቃንዛ ንምዕጋስ ብብዝሒ ስለ ዝወስድኦ፡ ተቓላዕቲ እቲ ጸገም እየን ይብል። ዕድሚኣ ኣብ መወዳእታ 20ታት ዝርከብ፡ ሽማ ክጥቀስ ዘየፍቀደት መንእሰይ ሓያል ሕማም ርእሲ (ሚግሬን) ከም ዘለዋ ትዛረብ። ነቲ ቃንዛ ንምዕጋስ፡ ፓራሲታሞልን ካልኦትን ክትወስድ ጸኒሓ። እንተዀነ፡ ጨጎራኣ’ውን ስለ ዝሕማ መድሃኒት ክትቅይር ደልያ ናይ ሕክምና ሞያ ንዘለዎ መሓዝኣ ተማኽሮ። ንሱ፡ “ትራማዶል/ፓራሲታሞል   ዝተባህለ መድሃኒት ጨጎራ ስለ ዘይትንክፍ ንዕኡ ውሰዲ ምስ በለኒ ጀሚረዮ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግን፡ ቃንዛ ካብ ምዕጋስ ሓሊፉ ደስ ዝብል፣ ቅልል ዝበለ ዓይነት ስምዒት ክፈጥረለይ ጀሚሩ። ፍልይ ዝበለ ነገር ኣለዎ” ትብል። ናይዚ ምኽንያት እንታይ ከም ዝዀነ ከምዘይትፈልጥ እትዛረብ እዛ መንእሰይ፡ “እቲ ዝፈጥሮ ናይ ደስታ ስምዒት ወልፊ ከም ዘትሕዝ ኣይተረድኣንን ነይሩ” ብምባል ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እቲ መድሃኒት ምውሳድ ጠጠው ንምባል ከም ዝተገደደት ሓቢራ። እዞም ታሪኻት፡ እዞም መድሃኒታት፡ ወልፊ ዝዀኑ እንተዀይኖም ስለምንታይ ይውሃቡ? ዝብል ሕቶ ከነልዕል ዝገብሩ’ዮም። ዶክተር ዮናስ፡ ሰባት፡ ካብ ሕማሞም ክድሕኑን ዘይክድሕኑን ይኽእሉ’ዮም፤ ግን ቃንዝኦም ምንካይ ቀንዲ ተግባር ሕክምና እዩ ይብል። መድሃኒታት መዐገሲ ቃንዛ ግን፡ ጐናዊ ሳዕቤን ስለ ዘለዎም ንስነ ምግባር ሕክምና ኣብ ሞንጐ ክቕርቅሩዎ ይስትውዓል። መምርሒ ሕክምና ቃንዛ ኢንትዮጵያ፡ መጀመርታ ቀለልቲ ዝዀኑ ጸረ ቃንዛ (ፓራሲታሞል፥ አስፕሪን፣ ኣይቦፕሮፊን) ክውሰዱ ይመክር። ካብኡ ሓሊፉ፡ ከም ትራማዶል፣ ፔቲዲን፣ ሞርፊን ዝበሉ ንከበድቲ ሕማማት ዝውሰዱ መድሃኒታት ደረጅኦም ሓልዮም ክውሃቡ ኣለዎም ይብል። “ቁሩብ ኣጸጋሚ ዝገብሮ፡ በየናይ ሸነኽ ንጋገ ዝብል’ዩ” ዝብል ዶክተር ዮናስ፡ ቃንዛ ብልክዕ ጸቕጢ ደም ዝዕቀነሉ ኣገባብ ዝዕቀን ኣይኰነን ብምባል ይገልጽ። “ንኣብነት ሓደ ሰብ መርፍእ ክውጋእ እንከሎ የቐንዝወኒ’ዩ ክብል ይኽእል፤ ካልእ ድማ ብጥይት ተሃሪሙ ምንም ኣይኰነን ክብል ይኽእል። ስለዚ፡ ንኡሽቶ ቑስሊ ዘለዎ ይቕንዞ እየ ዘለኹ ክብል እንከሎ፡ ኣነ ነዚ ዲስሚስ ክገብሮ ኣይክእልን። ስነ ምግባራዊ ኣይኰነን። ስለዚ እዞም መድሃኒታት ምእዛዞም ኣይተርፍን” ኢሉ። እቲ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ እዞም ኣፋውስ ክልተ ዓይነት ጌጋ ኣስተውዒለ’የ ይብል። እቲ ሓደ፡ ግን ልዕሊ ዓቐን ምእዛዝ ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ እቶም መድሃኒታት ይተኣገዱ ምባል እዮም። በዚ ሓሳብ ዘይሰማማዕ ዶክተር ዮናስ፡ “እዚ ኣብ ቃንዛ ንዘለው ሰባት መድሃኒት ምኽልካል እዩ” ኢሉ። ብምኽንያት ትራማዶልን ካልኦት መድሃኒታት ኦፒዮድን፡ ወልፊ ንዝሓዞም ሰባት ዝወሃብ ፍወሳ፡ ሕክምና ወልፊ (‘አዲክሽን ሳይካያትሪ’) ይብሃል። እቲ ሕክምና፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ሆስፒታል ዘውዲቱ፣ ሆስፒታል ኣማኑኤልን ጳውሎስ ሆስፒታልን ከም ዝውሃብ ዶክተር ዮናስ ሓቢሩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ ካልኦት ማእከላት  ‘ውን ከም ዝወሃብ ሰሚዕና ኣለና። መንእሰይ ዮናታን ሊዮን ብዝተፈላለዩ ወልፍታት ኣልኮላዊ መስተታት፣ ሽሻን ጫትን፡ ን20 ዓመታት ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ብሕክምና ተሓጊዙ ዓርሱ ካብቶም ወልፍታት ተናጊፉ’ዩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ ካልኦት ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ማእከል ከፊቱ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ‘ጉድ ላክ ሪሃብልተሽን ኤንድ ትሬንንግ ሴተንር’ ዝተባህለ ዮናታን ዝኸፈቶ ማእከል፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣገልግሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሕጋዊ ፍቓድ ረኺቡ ተጣይሹ። ኣብዚ ማእኸል ካብ ወልፊ ካብ ሞንጐ ዝሓወዩ 237 ሰባት፡ ትራማዶል ሓዊሱ ካብ ወልፊ ጸረ ቃንዛ መድሃኒታት ዝተፈወሱ መናእሰይ ከም ዘለው ይዛረብ። ብፍላይ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 50 ከኒና ትራማዶል ዝወስድ ዝነበረን በዚ ምኽንያት ሕማም ልቢ ዘማዕበለን ሓደ ውልቀሰብ፡ ኣብቲ ማእከል ሓገዝ ተገይርሉ ከም ዝድሓነ ዮናታን ገሊጹ። ካብ ኩሉ ዓይነት ወልፊ ምድሓን ከም ዝክኣል ኣነ ምስክር’የ ዝብል ዮናታን፡ ኣብቲ ማእኸል ብኵሉ ዓይነት ወልፊ ዝተጐድኡ ሰባት ንምሕጋዝ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ። እቶም መድሃኒታት ከቢድ ወልፊ ናይ ምዃን ተኽእሎ ስለ ዘለዎም፡ ኣብ መሸጣ ፋርማሲታት ቁጽጽር ክግበር ከም ዘለዎ ዝገልጽ ዶክተር ዮናስ፡ እቲ መድሃኒት ብዘይኣገባብ ኣብ ጥቕሚ ንከይውዕል ቁጽጽር ካብ ምግባር ሓሊፉ ትምህርቲ ክወሃብ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። “ሰባት ሃንደበት እንተተኸልኪሎም፡ እቲ መድሃኒት ብኻልእ መገዲ ንምርካብ ክንቀሳቐሱ’ዮም። ዘይሕጋዊ መገዲታት ሙሉእ ንሙሉእ ምጥፋእ ድማ ኣይክኣልን። ስለዚ፡ ጐና ጐኒ ምምሃር፣ ተበጻሕነት ሕክምና ወልፊ ምርግጋጽን ግንዛበ መዕበዪ ስራሕትን ብምስራሕ ጽቡቕ ውጽኢት ምርኣይ ይክኣል እዩ”።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት bbc./tigrinya ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *