ንህዝቢ ዝቖጠዐ መግለጺ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ

ብዙሓት ኣለዉ፡ “ዓረብነት” ካብ “ቅዱስ እምነት እስልምና” ፈልዮም ዘይርድኡ። ዓረቢዝም፡ ፖለቲካ ኢዩ። ኣብ ኮረሻ ሃይማኖት እስልምና ተወጢሑ፡ ዓለም ክግብት ዝደሊ። ሮማዉያን’ዩ ከም’ኡ ኢዮም ክገብሩ ፍቲኖም። ኣተሓሳስባ ናዝራዊ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ርእሲ እቲ ብሕሱም መግዛእቲ ሮማ ዝግረፍ ዝነበረ ህዝቢ ሰሪጹ፡ ምስ ሰዓሮም፡ ንሃይማኖት ክርስትና ኣብ ፖለቲካዊ መዓላ ከዉዕልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ክሳብ ምቅልቃል መግዛእቲ ኤዉረጳ ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ኣሳሊዎም’ዩ። ሚሲዮናት (Missionery – ሰብ ተልእኾ) እንዳ’በለልካ፡ ስለላን ኮለላን ብምክያድ፡ ንኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ሕሱም መግዛእቲ ኣእትዮማ። ትፈልጡ ትኮኑ፡ ብወገን ምዕራብ ኣፍሪቃ ንዓሰርታት ዓመታት “ገላዩ” ሃዲና፡ ትግፈጥ ዝነበረት ኤዉረጳዊት መርከብ፡ “ቅዱስ መጥመቅ ዮዉሃንስ” (St. John the Baptist) ዝ’ስማ ከም’ዝነበረ። እዚታት ዝጠፍኦ የለን፡ ኩሎም ፖለቲካዉያን ስርዓታት፡ ነዚ ክጥቀምሉ ትጽበዮ ነገር ኢዩ፡ እንተ’ኮነ እቲ ህዝቢ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ኢዩ፡ እምነቱ ብዘየገድስ። እቲ ኣርእስቲ ጉዳይ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ሶፊነ ባዉፈል እንድዩ ኣልዒልዎ፡ ምናልባት እቲ ዓረብ ዝበሃል’ሲ፡ ንዓና ንኤርትራዉያን ይቀርበና ኔሩ ይከዉን። ኣብ ኤርትራ፡ እዚ ናይ “ዓረብ ዓረብ” ኣበሃህላታት ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኔሩ ኢዩ። ሓደ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሰያስ ነዚ ዝምልከት ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ “መን’ዩ ዓረብ፡ መንዩ’ከ ዘይ’ዓረብ” ክብል መሊሱ ኔሩ። እቲ ኣበሃህላ፡ ብዉሕዱ ንሕና ከም ሃገርን ህዝብን ናይ ገዛእ ርእስና ባህልን መንነትን ዘለና ህዝቢ ደኣ ንኩን እንበር፡ ብጠቅላላ ምድረ ሓበሻ’ስ፡ ምስ ብቀይሕ ባሕሪ መዳዉብቱ ዝኮኑ ህዝብታት (ሎሚ ብዓረብ ዝጽዉዑ)፡ ምትሕንፋጽ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ካብ የመን መጺና ንበሃል፡ ክልተ ግዜ፡ ኣብ ዘመነ ኣዱሊስ፡ ደሓር ድማ ኣክሱም፡ ስግረ ባሕራዊ ወፍሪ ድማ ኣካይድና። ኣብ ዘመናዊ ዓለም ግን፡ ሎሚ ነናይ ገዛእ ሃገርና ረብሓን ዕላማን ዘለና – ኤርትራ ኢና፡ ወይ ድማ ኢትዮጲያ፡ ሶማሊያ ወይ ሱዳን ኢና። ዓረብ ኣይኮናን። ቛንቋ ናይ ዓረብ ክንዛረብ የብልናን ማለት ኣይኮነን። ንሱስ፡ እንግሊዘኛ ዉን ንዛረብ ኣለና። ግእዝ ዉን ንባዕሉ፡ ካብ ሳባዊ (ናይ ትማል የመን) ዝተዳቀለ፡ ዝሰገረ ኢዩ። ካልእ ኣገዳሲ ቛንቋ እንተሃልልዮ ዉን ክንዛረቦ ኢና። ጽቡቕ ነገር፡ ከም’ቶም “ዓረብ ኢና ክብሉ፡ ንኩሉ መቦቆላዊ ባህላዊ ትሕዝትኦም ዝጓሓፉ” ዘይምኳና ኢዩ። ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ሳሆ – ሃይማኖቱ ብዘየገድስ፡ ሳሆ ይዛረብ፡ ብሳሆ ይሓስብ፡ እቲ ትግረ – ከም’ኡ ብትግረ ይዛረብ ብትግረ ይሓስብ፡ እቲ ትግሪኛ፡ ኩሉ ብተመሳሳሊ፡ ሃብታም ባህላዊ ዉርሽኡ፡ ቛንቁኡ ዓቂቡ ይጓዓዝ። እቲ “ዓረብነት” ፖለቲካ ምኳኑ ድማ፡ እዚ ንመን ወኪሉን ስለምንታይን ኣብ ዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ዝተሳተፈ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ተደናጊሮዎ ዘሎ፡ ጽቡቕ ኣብነት’ዩ። “ዓወትና ንዓና ንሞሮኮን ንሃገራት ዓረብን ወፊናዮ ኣለና” እኳ’ዩ ኢሉ። ብሓደ ኣፊቱስ፡ እቲ ንኣፍሪቃ ዝወሃብ 5-ኮታ ኣጻቢብኩምልና ዘየብል ኣይኮነን። እንተኮነ፡ ኣስልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ፡ “ንሕና ንፖለቲካ ኢልና ኣይኮናን ኣብ’ዚ መጺና፡ ንኩዑሶ እግሪ ኢና፡ ንኩዑሶ ክንመጽእ ከለና ከኣ፡ ንኣህጉርና ኣፍሪቃ ወኪልና – ከም’ቲ ጋና፡ ካሜሩን፡ ሰኔጋል ዝበጽሕኦ ደረጃ ንምብጻሕን፡ ካብ’ኡ ንላዕሊ ምቅጻልን’ዩ” ክብል ኣሪምዎ ኣሎ። ብዝኮነ፡ ብዙሕ ኣርእስታት እንድዩ ዘለዓዕል፡ ገለ ገለ ሰብ ድማ “ኣሜሪካን ኤዉረጳን ንቐጠር፡ ብሓፈሻ ድማ ንሃገራት ከሊጅ ሓሲዶመን!” ይብለካ። እወ፡ ይሕስዱ ንሶም ደኣ፡ ኣይ ሕስድና መሳርሒ ስስዐ’ዶ ኣይኮነን። እዚ ክገብሩ ከለዉ ግን፡ ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ፡ ኣብ ቐጠር ምህላዉ ኣይትዘንግዑ። ኣሜሪካ፡ ዋላ ብኩሉ ትክእሎ ከዲምካሎም፡ ዕጥጥ ዝብሎም ኣይኮነን። እዘን ሃገራት፡ ሊባኖስ፡ ዒራቕ፡ ሶሪያ፡ ሊብያ፡ ኢራን ክድሰቃ ከለዋ፡ ንኣሜሪካን ሓንጀመንጅኦምን ኣአንጊደን፡ ገንዘብ ዝገበራ ኢየን። ብናይ ሃገራይ ምዕራብ ቴክኖሎጅን ሰብኣዊ ጸጋን፡ ሃገረን ዝሃነጻ ኢየን። እቲ ኣበሃህላ፡ ብባርኾት ሃገራት ምዕራብ ዝተሃንጻ፡ ብመርገመን ዉን ክፈርሳ ይክእላ’የን፡ ስቅ ኢልካ ጠራዕራዕ ምባል ዋጋ የብሉን። ብዝኮነ፡ ጽባሕ 10 ታሕሳስ፡ ርብዒ ፍጻሜ ሰጊራ ዘላ ሞሮኮ ኣንጻር ፖርቱጋል ክትገጥም ኢያ። ንፖርቱጋል እንተስዒራ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ፋልማያ ንፍርቂ ፍጻሜ ብምስጋር፡ ንሃገራት ዓረብ ዘይኮነ፡ ንኣህጉርና ኣፍሪቃ ካብ 5፡ ናብ 10-ኮታ ከተናጥራ ኢያ።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት NationalEr Interest ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።