ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ገያሾ ናይ ቪዛ እገዳ ክትገብር ምዃና ገሊጻ።

ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ገያሾ ናይ ቪዛ እገዳ ክትገብር ምዃና ገሊጻ።
ቻይና ነዚ ዝገለጸት፡ ኣመሪካ ብጉዳይ ርእሰ-ምምሕዳር ሆንግ-ኮንግ፡ ኣብ ልዕሊኣ እገዳ ክተጽድቕ
ከምእትኽእል ድሕሪ ምጥንቃቓ’ዩ።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ክልቲአን ሃገራት ክንወስዶ ኢና ዝበልኦ ስጕምቲታት፡ መዓስ ከምዝትግበር ዛጊት
ኣይተሓበረን ዘሎ።
ቻይና፡ ኣብ ሆንግ-ኮንግ ግዳማዊ ምትእትታው ንምግታእ ዝዓለመ ሓድሽ ጸጥታዊ ሕጊ ክተተኣታቱ
ድሕሪ ምውሳና፡ ካብ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መጠንቀቕታ ክቐርበላ ምጽንሑ
ይፍለጥ።
ይኹን’ምበር፡ ቻይና፡ ጉዳይ ሆንግ-ኮንግ ንኻልኦት ሃገራት ዝምልከት ከምዘይኮነ ክትገልጽ ጸኒሓ’ላ።
እዚ ሓድሽ ምዕባለታት፡ ንዲፕሎስያዊ ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል፡ ናይ
ቀረባ ተዓዘብቲ ይእምቱ።