ቻይናዊ ኩባንያ ‘ህዋዌ’፡ ኣብ ብሪጣንያ መስመራት መራኸቢታት ቴክኖሎጂ ከዋድድ ስምምዕ ብምኽታሙ

ቻይናዊ ኩባንያ ቴክኖሎጂ መራኸቢታት ‘ህዋዌ’፡ ኣብ ብሪጣንያ መስመራት መራኸቢታት ቴክኖሎጂ ከዋድድ ስምምዕ
ብምኽታሙ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘይቅዳው ከይፍጠር ተሰጊኡ።
ነቲ ኩባንያ ጸጥታዊ ስግኣት ምዃኑ እትገልጾ ኣመሪካ፡ ምስ ብሪጣንያ ዝኾነ ስምምዕ ከይገብር’ያ ክትጽውዕ ጸኒሓ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሪጣንያ ምስ’ቲ ትካል ናይ ስራሕ ስምምዕ ምስ እትፈራረም፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት
ዝጸንሐ ጸጥታዊ ውዕል ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ከምዝኽእል ምጥንቃቑ ይግለጽ።
ቻይና፡ ብመንገዲ ናይ’ቲ ግዙፍ ኩባንያ ኣቢላ ስለያዊ ንጥፈታታ ከምእተካይድ ትወቅስ ኣመሪከ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት
ኣብ ጸሊም መዝገብ ከምዘስፈረቶ ይዝከር።
ይኹን’ምበር፡ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ‘ህዋዌ’ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ብዝፈጠሮ ሓያል ተወዳዳርነት ስለዝሰግአት
ምዃና፡ ቻይና ክትወቅስ ጸኒሓ’ላ።
ኩባንያ ቴክኖሎጂ መራኸቢታት ‘ህዋዌ’፡ ብደረጃ ዓለም ጽልዋኡ እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ይፍለጥ።