ታሪኽ ሕይወትን ኣገልግሎትን ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ፡ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሃገረ-ኤርትራ

“ዝንቱሰ ብእሲ ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር” “እዚ ሰብ እዚ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣተዓባብያኡ ኣብ ቤተ-እግዚአብሔር እዩ” ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ፡ ብ24 መስከረም (16 መስከረም ብግእዝ) 1928 (1920 ብግእዝ)፡ አብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ – ከባቢ ሩባ ናጻ እንዳ ዳሽም – እንዳ ጻድቃን ‘ባረክንሃ’ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ፡ ካብ ወለዶም – ቀሺ ረዳ ተኽለን ወ/ሮ ለተመድህን ሓጎስን ተወሊዶም። ብጹእነቶም፡ ብትርኢቶም ምልኩዕ ብጠባዮም ምስጉንን እዙዝን፡ ኣኽባሪ ወለዶም ነበሩ። ገና አብ ንኡስ ዕድሚኦም ወላዲኦም ብሞት ስለዝተፈለይዎም፡ ብፍቕሪ ምስ ስድራቤት ዓበዩ። ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናብ ደብረ ምእዋን ኣቡነ ብጹዕ ኣምላኽ ብምኻድ፡ ኣብ እግሪ የነታ ዜናገብርኤል ግብረ ዲቁና ተማህሩ፡ ብዕለት 09 ግንቦት 1936 ዓ.ም.ግ (1944)፡ ካብ ብጹዕ አቡነ ማርቆስ ጳጳስ ኤርትራን ትግራይን ማዕርገ ዲቁና ተቐበሉ። መንፈሳዊ ትምህርቲ ንምስፋሕን ንምቕጻልን ናብ ደብረ ዓባይ ብምኻድ፡ ቃል ትምህርቲ፡ ሰዓታትን ዳዊትን ኣጠናቒቖም ንዓዶም ተመልሱ’ሞ፡ ክሳብ ወዲ 16 ዓመት፡ ብግብረ ዲቁናን ብልዙብ ትሕትናን ተኣዝዞን፡ ንዓዶምን ነታ ፊደል ዝጀመሩላ ቅድስቲ ገዳሞምን አገልገሉ። አቦና ገና ብንኡሶም፡ እግዚአብሔር አቦይ እመ ብርሃን አደይ ኢሎም ብጸሎት ቅዱሳን ተማሕጺኖም ንክልተ መዓልቲ ሓንቲ ጣይታ እናተመገቡ 15 መልክዓት አብ መዓልቲ ብምጽናዕ ነቲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ይዘልቅዎ ነበሩ። ካብቲ ፍሉይ መለለይኦም ሓደ ለውሃቶምን ጣዕመ ዜማኦምን እዩ። ካብ ዕለታት ሓደ ግዜ፡ ገልዒ ስለዘይረኸቡ ነቶም ዝረድእዎም ዝነበሩ አረጋዊ መነኮስ ሓዊ ብነጸላኦም ዘብጽሕሉ እዋን ዘይርሳዕ ኣብነታዊ ተግባር ለውሃቶም ክኸውን ከሎ፡ ብዝነበሮም ንዓጽሚ ዘጥልል ተውህቦ ድምጺ ከአ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ክብረ በዓላትን አድባራትን ገዳማትን ካብ ሃገርና ወጻኢ’ውን አብ ጎረቤት ሃገር ተዓዲሞም መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይህቡ ነይሮም። እዚ ካብ ዲቁና ክሳብ ሊቀ ጵጵስና ናይ ወትሩ ተግባሮም ነይሩ። ካብ 1936-1944 (ዓ.ም.ግ) 1944- 1952 ንሸሞንተ ዓመታት ብተወፋይነትን ትሕትናን ንኣረጋውያን መነኮሳት ብምርዳእ፡ ዕንጨይቲ ብምእራይ ብማሕረስ ከምኡ’ውን ማህረጽን ቅዳሴን ብግብረ ዲቁና ድሕሪ ምግልጋል፡ 9 ለካቲት 1944 ግእዝ (1952)፡ አስኬማ ምንኩስና ተቐበሉ። ብ21 ሚያዝያ 1944 (1952) ድማ፡ ማዕርገ ክህነት ብጹዕ፡ ብአቡነ ማርቆስ ተቐብኡ። ብማዕጠንትን ቅዳሴን አብ ገዳምን ከባቢ ገዳምን ዘለዋ ዓድታት ብምብጻሕ ንህዝቢ የገልግሉን ካብቲ ሕዝቢ ነቲ ገዳም ዘድሊ ንዋየ ቅዱሳን ብምምጻእ ንገዳሞምን አቦታቶምን ይረድኡን ነይሮም። ብሓፈሻ፡ ብማዕርገ ክህነት 13 ዓመታት ድሕሪ ምግልጋል፡ ብዝነበሮም መንፈሳዊ ጥብዓትን ትሕትናን ትግሃትን ጥበብን ብቕዓቶም ስለዝተመስከረሎም፡ ገዳም ንክመርሑ ብምልአት ገዳማውያን “ይደልዎ” (ይግብኦ) ተባሂሎም፡ 14 ታህሳስ 1957 ዓ.ም.ግ (1965) ኣበምኔት ተመርጹ። “እስመ መምህረ ሕግ መምህር ኃይለማርያም አበምኔት ገዳም ደብረ ምእዋን ኣቡነ ብፁዕ አምላክ” ዝብል መጸውዒ ሒዞም ድማ፡ መሪሕነት ገዳም ተረከቡ። ከም ባሕታዊ ብዓል ዓቕሊ ንኹሉ ፈተና እናተሰከሙ፡ ንዝገጥሞም ጸገም ከም ኣመስጋኒ ብዓል ዓቕሊ ብምስጋና እናተግሁን፡ ከም ተባዕ አገልጋሊ ንኹሉ ጉዕዞኦም ንእግዚአብሔር ኣምሪሖም ብትብዓት፡ ብቐዳምነት ውስጠ ደንብ ማሕበር (መምርሒ) ኣርቒቖም ኣቕረቡ። ቀለም ጠሚዖም ብርዒ ጸሪቦም ዝተፈላለዩ ናይ ብራና መጻሕፍቲ ጽሓፉ። ንደቂ ዓድን ሰብ ጸጋን ብምውህሃድ፡ መደባት ሓንጺጾም አብ ተፈላለዩ ቦታታት አስመራ – አብ ገጀረት ብዓል 15 ክፍሊ ከምኡ’ውን ብዓል 10 ክፍሊ መንበሪ ኤምባሲ፡ አብ ከባቢ አልፋሮማዮ ብዓል 3 ክፍልን ጋራጅን፡ አብ ማእከል ከተማ ደቀምሓረ ብዓል 24 ክፍሊ፡ አብ ማይ ዕዳጋ ከአ ብዓል 3 ክፍሊ መዕረፊ መነኮሳት ዝኾኑ ገዛውቲ ሃነጹ። ክሳብ ሕጂ ድማ መዕረፍን ምንጪ ኣታዊ ገዳምን ኮይኖም የገልግሉ አለዉ። ኣብ ውሽጢ ገዳም ጥሓኒት መኪና ብምእታው ንገዳምን ሕዝብን፡ አብ ግዜ ሰውራ ከአ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ናይ መጥሓን ኣገልግሎት ከምእትህብ ገበሩ። ነቲ ዝነበረ ጸገም ዝስተ ጽሩይ ማይ ንምፍዋስ፡ ምስ ነገስታትን ሃጸያትን ብምርድዳእ፡ ነቲ ገዳም ጽሩይ ዝስተ ማይ የእተውሉ። ገበርቲ ሰናይ ብምውህሃድ እውን እቲ ገዳም መብራህቲ ከምዝረክብ ገበሩ። ነቲ አብ ሃገርና ብባዕዳውያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ ኤርትራን ዝወርድ ዝነበረ ግፍዕን ኣደራዕን ንከብቅዕ፡ ንፍትሒን ናጽነትን ብጸሎትን ተልእኮን ካብኦም ብዝሕተት ዕዮን ተቓለሱ፡፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ቃልስን ጽንዓትን፡ አብ ናጻ ኤርትራ መራሕቲ ጳጳሳት ስለዘድለዩ፡ ምስ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ብምርድዳእ ካብ 20 ገዳማት ካብ ዝተዋጽኡ 15 መነኮሳት፡ ካብቶም ብዝለዓለ ድምጺ ዝተረቚሑ ሓሙሽተ ኣበ ምኔታት ሓደ ኮይኖም ኣቡነ ቄርሎስ ተሓርዩ። አብ ነፍስ-ወከፍ ምስግጋር መዝነትን ስልጣንን፡ ብንብዓትን ኣይግብአንን እዩ ብምባልን፡ ነቲ ብአቦታት ዝተዋህቦም መዝነትን ስልጣንን ይኣብዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብማእሰርትን ሱባኤን እዮም ነቲ መዝነትን ስልጣንን ዝቕበልዎ ነይሮም። ኣብ 1986 ዓ.ም.ግ (1994) ንግብጺ ብምኻድ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ተኸታታሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ተማህሩ። ብ12 ሰነ 1986 ዓ.ም.ግ (1944) ከኣ፡ 60 ግብጻውያን ሊቃነ ጳጳሳትን ሜትሮጶሊታንን ከምኡ’ውን ሊቃውንቲ ሃገርና ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብኢድ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ስርዓተሲመትን ጸሎተ-ተቀብኦን ጵጵስና ተፈጸመሎም። ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ተባህሉ። ካብቲ ግዜቲ ጀሚሮም አባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኮኑ። በቲ አቐዲሙ ግዚያዊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መዲብዎ ዝጸንሐ ምደባ፡ ኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ኣድያመ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ (ዞባ ደቡብ) ኮይኖም ከገልግሉ ተመደቡ። ካብ መዓርግ ጵጵስና ተሰጋጊሮም፡ ብ21 ሓምለ 1990 ዓ.ም.ግ (1998) ካብ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ሲመተ ሊቀ ጵጵስና ተቐበሉ። ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ላዕለዋይ ልኡኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዃን፡ ኣብ ዓበይቲ ጉባኤታት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቤት ምኽሪ አብያተ-ክርስቲያን ዓለም፡ ብደረጃ ሃገር አብ ዝተኻየዱ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢን በጺሖምን፡ ንህልው ኲነታትን ሓዋርያዊ ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ሃገርና መብርሂ ሂቦምን። ብጹዕ ኣቡነ ቄርሎስ በዚ መንፈሳዊ ገድሊ ብምሕላፍ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ኪካየድ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ብ 05 ግንቦት 2013 ዓ.ም.ግ (2021) ወከልቲ ኣበ ምኔት ገዳማት ኤርትራ፡ መራሕቲ ስራሕ (ሊቃነ ካህናት) ተወከልቲ ኣድያማተ ስብከታት፡ ሃገረ ስብከት ወጻኢ፡ አድባራትን ሃገረ ስብከት ኣስመራን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብናጻን ርትዓውን ፍትሓውን ምርጫ ካብ’ቶም ንሕጹያት ዝተመርጹ ሓሙሽተ ጳጳሳት ብዕብየቶምን ተመኲሮኦምን፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶምን ቅዱስ ሲኖዶስ ብምልአት ድምጺ፡ ንብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ከገልግሉ፡ ብዝለዓለ ድምጺ መሪጽዎም። ብዕለት 13 ሰነ 2013 ዓ.ም.ግ (2021) ከኣ፡ ስርዓተ ሲመት ወጸሎተ ተቀብኦ ተፈጺሙሎም – ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም።