ብ ወገን መንግሲ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ

ኣብ 2018፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘንቀሎ ናይ ዕረያ (reform) መስርሕን ብዞባ ደረጃ ዘርሓዎ ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምሕዝነትን ብምኹላፍ፡ መንኰርኰር ታሪኽ ንድሕሪት ንምምላስ ዝተወልዐ ናይ ውክልና ኲናት (proxy war) ኣስዒብዎ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ መቕዘፍቲን ዕንወትን፡ ሓደ ካብ ዘሕንኽ ዛንታታት መበል 21 ክፍለ-ዘመን ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ። ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፍልቀት ሓደ ሃገር ጣልቃ ብምእታው፡ ንሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ብዘየለ ተጻብኦን ከበባን ኣርዒድካ፡ ናይ ተነጽሎን ምጉናይን ጭኑቕ ስነ-ኣእምሮ ፈጢርካ፡ ምስ ኣሕዋቱን መናብርቱን ምንቛት፡ ዘስገድግድ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ኮይኑ፡ እዚ ዘይምኽኑይ ኲናት፡ ድሕሪ ደጊም ብዞባ ደረጃ ትምህርቲን ንቕሓትን ክቕሰሞ ዝግባእ መሪር ተሞኩሮ ሓዲጉ ኣሎ። የግዳስ፡ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ህልቂትን ዕንወትን፡ ሰላም ክሰፍን ተስፋ ኣብ ዝተሰንቀሉ ሰዓት እውን፡ ነዚ ብፍሽለት ዘኽተመ ብዓንተቦኡ ኣድላይነት ዘይነበሮ ኲናት፡ ብኻልእ መልክዕ ንምቕጻሉ፡ ጽልኢን ቅርሕንቲን ናይ ምስዋር ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ ዝያዳ ክዓርግ ይርአ ኣሎ። ቀዳማይ ዒላማ ናይዚ ዘመተ’ዚ፡ ከም ወትሩ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እውን ንህዝቢ ኣምሓራ ተጸላኢ ምግባር ምስኡ ኣላፊንካ ዝስርሓሉ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ሓድሽ ዘመተ ምዂስኳስ ጽልኢ፡ ካብ ሚድያታት ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ጀሚርካ፡ ዓቢ ስም ዘለወን፡ ብቋንቋታት ከባቢና ዝፍንዋ ኣህጉራውያን ማዕከናት፡ ከምኡ’ውን ኣጫፈርቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ካብ ሞያን ስነ-ምግባርን ጋዜጠኝነት ኣዝዮም ብምርሓቕ፡ ቃንዛን ምረትን ዝነደዩ ወገናት ዝተፍኦ ውጹእ ጠቐነ፡ ሓቅነቱ ምርግጋጽ ከየድልዮም ኣብ ምድማቑ ተጸሚዶም ይርከቡ። እዞም መጋበርያ ዘመተ ጽልኢን ቅርሕንትን ኮይኖም ዝርከቡ ኣካላት፡ ካብዛ ፕላኔት ወጻኢ ክብጻሕ ኣብ ዘይክእል ስፍራ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት ዘቃልሑ ዘለዉ ክመስሉ፡ ቦታ፡ ዕለት፡ ዓይነት ፍጻመ ዘረጋግጽ ጭብጢ ኣብ ምቕራብ ግዱሳት ኣይኮኑን። እቲ ዕላማ ደይ መደይ ኢልካ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ህዝብታትን ጎረባብቲን ቅርሕንቲ ብምዂስኳስ፡ ዝጸንሐ ወጥሪን ምትፍናንን ከይዝህም፡ እኳ ድኣ ተደጒሉ ከምዝቕጽል ምግባር ስለዝኾነ፡ ንዘመተኦም ዘረጋግጽ መርትዖ ዘይምድላዮም ዘገርም ኣይኮነን። ምስ’ዚ ኣተኣሳሲርካ ክግለጽ ዝግብኦ፡ ሃንደስቲ ዕግርግር ዘይተገንዘብዎ ወይ ክግንዘብዎ ዘይደለዩ ሓቂ ኣሎ። ዕላማኦም ዘይተዓወተ፡ ብሰንኪ ኤርትራ ኣይኮነን። ኤርትራ ንባዕላ ግዳይ ጨካን ጸወታኦም ኮይና፡ ሃፈጽታ ባርዕ ጎረቤታ ዝጸለዋ እያ። ጸጥታዊ ስግኣታ ምውጋድን ነብሳ ምክልኻልን ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ባህርያዊን ሕጋዊን መሰላ እዩ። እቲ ዓቢ ውዲት ዘይተዓወተሉ ምኽንያት፡ ሓደን ንጹርን እዩ። በቲ ውጥን ክውቃዕ ዝተሃርፈ ዕላማ፡ ኣንጻር ድሌትን ባህጊን ተበግሶን ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ፡ ኣይሰመረን። ሕጂ እውን ብዘይካ ምርጫ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምኽባር፡ ካልእ ኣማራጺ የለን። ብጣልቃን ሕንከራን መርዛም ፕሮፖጋንዳ ጽልኢን ቅርሕንትን ዛጊት ዝጠፍአ ህይወትን ዝወረደ ዕንወትን ይኣክል! እዚ፡ ድሕሪ ፍሽለት ናይቲ ዓቢ ውጥን ዝሃግግ ዘሎ ዘመተ ጽልኢን ቅርሕንትን፡ መርኣያ ንድየትን ሕስረትን ዝኸሰሩ ወገናት ኮይኑ፡ ካብ ቀዳማይ ዘይሓይሽ ዝኸፍአ ገበን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ህዝብታትን ጎረባብትን እዩ። በዚ ዘመተ’ዚ ዝዕወት ዕላማ ግን ክህሉ ኣይክእልን።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።