ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝወጸ ሓደሽ መግለጺ

ኣብዚ ቅንያት’ዚ ዋሽንግቶን ኣብ ዘአንገደቶ ሓባራዊ ዋዕላ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ 3 ዓመት ዝትግበር 55 ቢልዮን ዶላር ናይ ወፍሪ መብጽዓ ከምዝተኣትወ ዝገልጽ `ብስራት` ተቓሊሑ። ኣመሪካ ኲናት ዩክረይን ንምምዋል፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ምስ ዘውጽኣቶ 105 ቢልዮን ዶላር ክነጻጸር ከሎ ብዙሕ ኣይኮነን። ብመጠን ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ (1.4 ቢልዮን) ክርአ ከሎ እውን፡ 39 ዶላር ንሓደ ሰብ ኣብ 3 ዓመት ምዃኑ’ዩ። 13 ዶላር ኣብ ዓመት። እቲ ጉዳይ ግን ናይ ምብዛሕን ምውሓድን ኣይኮነን። ደገፍ ይውሓድ ይንኣስ ዝጽላእ ኣይኮነን። ብቁጠባን ፖለቲካን ጸለውቲ ዝበሃላ ሓያላትን ምዕቡላትን ሃገራት፡ ከምዚ ዓይነት ዋዕላታት ከአንግዳ ፋሽን ኮይኑ ኣሎ። ሓባራዊ ዋዕላ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ፣ ሩስያ ኣፍሪቃ፣ ቻይና-ኣፍሪቃ፣ ጃፓን-ኣፍሪቃ፣ ህንዲ-ኣፍሪቃ፣ ሕብረት-ኤውሮጳኣፍሪቃ፣ እንግሊዝ-ኣፍሪቃ፣ ጀርመን-ኣፍሪቃ፣ ፈረንሳ-ኣፍሪቃ ወዘተ። ለባም ተዓዛቢ፡ እዚ ዋዕላታት`ዚ እንታይ`ዩ ቁንቊኛኡ፡ ትጽቢታዊ ውጽኢቱ ነተን ኣአንገድቲ ይኹን ንህዝብታት ኣፍሪቃ እንታይ እዩ? ምዕሩይነት ረብሓታቱ’ኸ ክሳብ ክንደይ እዩ? ኢሉ ክሓስብ ባህርያዊ እዩ። ክሳብ ሕጂ ምስ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ዝምድናታት ወይ ምትሕግጋዝ ናይ ዓበይቲን ሃብታማትን ሃገራት ናይ ባዶ-ድምር (zero sum game) ጸወታ እዩ ነይሩ። በዚ ጸገም’ዚ ተሓመይቲ ብቐንዱ ኣፍሪቃውያን እዮም። ተራ ናይ ዓበይቲ ሃገራት ኣብ ምድሃኽን ምርማስን ኣፍሪቃ ከየነኣኣስካ። ዘለናዮ መድረኽ ህቀና ምምስራት ቀጽሪ እንኮነት ብፍሽለት ኣብቂዑ፡ ዓለማዊ ኩነት ናብ ካልእ ዝተፈልየ መድረኽ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን እዩ። ኣብዚ ሕጂ ዝእቶ ዘሎ ሓድሽ መዋእል’ከ ጉዕዞ ኣፍሪቃ ከመይ ክኸውን እዩ? ሕጂ እውን እቲ ወሳኒ ግደ ናይ ኣፍሪቃውያን እምበር ናይ ካልኦት ክኸውን ኣይክእልን። ምዕቡላት ሃገራት ፈታሕቲ ሽግር ኣፍሪቃ ክኾና ኣይክእላን። እዚ ሕጂ ፋሽን ኮይኑ ዘሎ ዋዕላታት፡ ሓድሽ ምህዞ ወይ መድሃኒት ኮይኑ ንኩነተኣፍሪቃ ክልውጦ ኣይሕሰብን። ኣፍሪቃውያን ሽግራቶም ባዕላቶም ፍታሕ ምስ ረኸብሉ ጥራይ እዩ፡ እቲ ልክዕን ውጽኢታዊን ኣድማዒን ዝያዳ ኩሉ ድማ ምዕሩይ ናይ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ሃዋህው ክፍጠር ዝኽእል። ምስ ኣፍሪቃውያን ዋዕላታት ኣብ ምክያድ ዝርከባ ሃገራት፡ ኣሐፊሽካ ኩለን ከምዚ`ዩ ዕላማአን ምባል ኣይከኣልን። ብሓፈሻ ግን፡ ጥረ-ንዋት ኣፍሪቃ ንምግባት ወይ ዕዳጋታት ንምንዳይ ወይ ድማ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ቲፎዞ ኣብ ጎድንኻ ንምስላፍ እንተኾይኑ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ርክባት ፍሉይነት ክህልዎ ኣይኮነን። ከምቲ ሓደ ካብ ፖለቲከኛታት ኤውሮጳ ዝበሎ ምዕቡላት ሃገራት ንኣፍሪቃ ከም ጫካ ወሲደን፡ ንድሕረታ ከም ዕድል ዝቘጽርኦ እንተኾይነን፡ እቲ ክፍጠር ዝኽእል ሽርክነት ናይ መዝማዚን ተመዝማዚን ምዃኑ ኣይተርፎን። ገለ ኣፍሪቃውያን፡ ንጸቢብን ግዝያዊ ረብሓታትን ዝናን፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዋዕላታትን ድግሳትን ተረኺብካ ምምዳር ከም ዲፕሎማሲያዊ ሊቅነት ይወስድዎ ይኾኑ። እቲ ጉዳይ ግን፡ ክንዮኡ ብዕምቈትን ምስትውዓልን ክርአ ዘለዎ እዩ። እዚ ዋዕላታት’ዚ ናይ ብሓቂ ንምዕባለ ኣፍሪቃን ምዕሩይ ሽርክነትን መገዲ ዝጸርግ እንተኾይኑ ቅቡል እዩ። ንናይ ሓደ ወገን ረብሓን ንናይ ህዝባዊ ርክባትን ዲፕሎማሲን ምውስዋስ ጥራይ እንተኾይኑ ግን ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ”haddas_eritra”ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።