ኤርትራ

ብምኽንያት ጽንብል መበል 29 ዓመት ናጽነት ኤርትራ

ብምኽንያት ጽንብል መበል 29 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ መራሕቲ ሱዳን፡ ኩዌት፡ ሰርብያን ሊብያን ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣሚር ኩዌት ሼኽ ሳባሕ ኣልኣሕመድ ኣልጃብር፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሰርብያ ኣለክሳንደር ቩቺችን ፕረዚደንት መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ ሊብያ ፋኢዝ ሙስጣፋ ኣልሳራጅን፡ ብስሞምን ብስም መንግስታቶምን ህዝብታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራ ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

እቶም መራሕቲ ኣስዒቦም፡ ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ንምምዕባልን ንምድንፋዕን ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ኣቐዲሞም’ውን ንጉስ ስዑድያ ሰልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኮርያ ሙን ጃ-ኢን ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ ፡ ፕረ. ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ ፈደረሽን ስዊስ፡ ሽወደን፡ ሪፓብሊክ ስሪላንካ ሪፓብሊክ ክሮኤሻ፡ ፈደረሽን ስዊስ፡ ሽወደን፡ ሪፓብሊክ ስሪላንካን ሪፓብሊክ ክሮኤሻን፡ ፕረዚደንት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ሺ ጂንፒንግ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ህንዲ ራም ናት ኮቪንድን ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፈኪ መሃመት ፡ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውደ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ጊኒ ፕሮፌሰር ኣልፋ ኮንደ፡ ፕረዚደንት ኣዘርባይጃን ኢልሃም ኣልየቭን ፕረዚደንት ኢጣልያ ሴርጆ ማታሬላን ናይ ዮሃና መልእኽቲ ምስዳዶም ይዝከር።