ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ዝሃቦ መግለጺ

ዶ/ር ኣቢይ ዓቢ ሓበሪታ ሂቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ 15 ሕዳር 2022 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰላምን ብልጽግናን ንምዕቃብ ኲናት ደው ምባል እቲ እንኮ ኣማራፂ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። “ዘይውዳእ ኲናት ልክዕ ንማይ ብመንፊት ከም ማለት እዩ። እናተዋጋእኻ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕማቕ ሰላም ወይ ጽቡቅ ኲናት ዝብሃል የለን። ዋላ እናተዓወትካ’ውን [ኲናት] ሕማቕ እዩ። ነቶም እንሓስቦም ነገራት ክነዐውቶም ኣይንኽእልን ኢና” ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ንዝተኸተመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ግጭት ብዝምልከት፡ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልሲ ኣብ ዝሃበሉ እዋን’ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ። “ካብ ሰላም እትረብሕ ኢትዮጵያ እያ። ሰብ ይቕተል። ዶላር እናውፃእኻን ሰባት እናተቐተሉን ዝርከብ ረብሓ ይኹን ጽቡቕ ነገር የለን” ክብል’ውን ተሰሚዑ። ብፍላይ ህወሓት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግብረሽበራዊ ተባሂሉ እናሃለወ ብኸመይ ዝርርብ ክካየድ ኪኢሉ ዝብል ሕቶ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀሪቡሉ ነይሩ። “ምስ ግብረሽበራዊ ምዝርራብ ዝኽልክል ኣዋጅ የለን። ንሰላምን ልምዓትን ኢትዮጵያ፤ ንሃገራዊ ረብሓ እንተኾይኑ፡ ድርድርን ዘተን ክንገብር ኢና” ዝብል መልሲ ሂቡ’ሎ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ዘይደልዩ ወገናት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ “እቶም ሰላም ዝጸልኡ ነጋዶ ኲናት እዮም” ክብል ነቒፉ። ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራም ብሰንኪ ዘይምትእምማን ክተዓናቐፍ ከምዝኽእል ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር፡ እቲ ዝተፈጸመ ስምምዕ ንኽፀንዕ ቃል ብምዕቃብን ድጋፍ ብምሃብን ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፁ። ካሊእ ምስቲ ስምምዕ ተተሓሒዙ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ ወይ ወልቃይት እዩ። ጉዳይ ወልቃይት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ብስርዓትን ብሰላም ክፍታሕ ከምዘለዎ’ዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ። “ብሕግን ስርዓትን እንተፈጺምናዮ እዩ ንወልቃይት ዝጠቅም። ንኣምሓራ ይረብሕ። ንትግራይ’ውን ይረብሕ። ብሕግን ስርዓትን ንፈጽሞ ንዝብል ሓሳብ ምስ ብዙሕ ሽርሕታት ምትእስሳር ኣድላዪ ኣይኮነን። ኣብቲ ከባቢ ሕቶ ካብ ዝለዓል ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ቅድሚ ሎሚ ኮሚሽን ዘጣየሽና’ውን ንዕኡ ብዝብል’ዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ መርገፂና ብመስርሕ ሕጊ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል እዩ” ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን ናይ ‘ይግብኣኒ’ ሕቶታት ከምዘለዉ ብምዝኻኻር፡ ብሓይልን ብጉልበትን ዘይኮነስ ብሕግን ስርዓትን ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ። “ወልቃይት ጥራይ ኣይኮነን፤ ኦሮምያን ኣምሓራን ኣብ ሰሜን ሽዋ ሕቶ ኣለዎም። እሞ ደኣ እዚኸ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድዩ ክኸይድ ዘለዎ? ሲዳማን ወላይታን ኣብ ብላቴ ሕቶ ኣለዎም። ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድዩ ክኸይድ ዘለዎ?። [ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ] ዝተሰማማዕናሉ ብመሰረት ሕግን ስርዓትን ኢትዮጵያ ይፈጸም ዝብል እዩ።” እቲ ግጭት ብሓይልን ጥራሕ ንምቁራጽ ዝግበር ጻዕሪ ነባሪ ሰላም ከምዘየምጽእ ብምሕባር፡ ጉዳይ ወልቃይት ድማ ንህዝቢ ብዘማእኸለን ብመሰረት ሕግን ስርዓትን ከምዝፍታሕ ተዛሪቡ። “ህወሓት ቅድሚ ሕገ-መንግስቲ እዩ ብሓይሊ ወሲድዎ፤ ሎሚ ድማ ንሕና ብሓይሊ ወሲድናዮ ኣለና . . . [እንተተባሂሉ] ኣብቲ ከባቢ ንመዋእል ዝፀንሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክነውፍር ኣይንኽእልን ኢና። ብወተሃደራዊ ሓይሊ ይፈታሕ እንተተባሂሉ ዘላቒ ኣይከውንን’ዩ” ክብል ኣረዲኡ። መንግስቲ በቲ ኲናት ንዝተሃስዩ ከባቢታት ብዝምልከት ሰለስተ ስጉምትታት ይወስድ ከምዘሎ ገሊጹ። ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቕራብ፣ መሰረተ ልምዓት ብምህናፅን ተመዛበልቲ ብምምላስን ከምዝፍጸም ድማ ጠቒሱ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዝተቛረጸሎም ኣብ ከም በዓል ሰቆጣ፣ ኣላማጣን ኮሩምን ዝበሉ ከባብታት ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ብምግላፅ “ሰላም ካብ ዝብሃል ሰሙን እኳ ኣብዘይመልእ ኢና ቅልጡፍ መልሲ ሂብና” ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ንኣተገባብራን ትሕዝቶን እቲ ስምምዕ ብዝምልከት ካብ ዝሃቦ መልስን መብርሂን ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኣብ መዳያት ዲፕሎማሲ፣ ቁጠባ፣ ኢንቨስትመንትን ናህሪ ዋጋታትን ተሓቲቱ፡ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝለዓል ኣትሒዙ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ልዕሊ 13 ሚልዮን ዝቑፀሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ኣለው። ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋን ከበባን ዝጸንሐት ትግራይ፡ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም። ዶክተር ኣብዪ፥ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝዓበየ ኢኮኖሚ ኮይኑ ምህላዉ ኣብቲ ባይቶ ተዛሪቡ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ብዕብየት ቁጠባ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝኾነት ንመረዳእታ ባንኪ ዓለም ብምውካስ ንኣባላት እቲ ባይቶ ኣብሪሁ። ንሱ ከምዝበሎ፡ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ መዛዘሚ በጀት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ 6.16 ትሪልዮን ብር (127.6 ቢልዮን ዶላር) ዝበፅሐ ኮይኑ፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብ ዝረኽቦ እቶት 1212 ዶላር ኣትዩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ምህርቲ (ጂ.ዲ.ፒ – GDP) 6.4 ሚኢታዊ ተመዝጊቡ ከምዝነበረን፡ እዚ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ሰላም ክቕፅል እንተኽኢሉ ናብ 7.5 ሚኢታዊ ክብ ክብል ትልሚ ከምዘሎን ወሲኹ ገሊፁ። እቲ ሓበሬታ ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኸበ ምዃኑ ብምሕባር ድማ መንግስቱ ምስዚ ኣሃዝ ከምዘይሰማማዕ ኣፍሊጡ። ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዘይወግዓዊ ምንቅስቓስ ንግድን ሃፍትን ኣካል እቲ ቁጠባዊ ሃብቲ ኮይኑ ክምዝገብ ዘይምኽኣሉ ከም ምኽንያት ብምጥቃስ እዩ ነቲ ናይ ባንኪ ዓለም መረዳእታ ከምዘይቕበሎ ዝተዛረበ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ሰብ ዝሰርሖን ተፈጥሮኣዊን ብድሆታት ከምዘጋጠምዎ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር፡ ውሽጣዊ ኲናት፣ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን፣ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ድርቅን ብኣብነት ኣቐሚጡ። እዚ ኩሉ ብድሆታት ነቲ ኢኮኖሚ ዋላ እኳ እንተተፀዓኖ፡ “ብቐሊሉ ዘይስበር ምዃኑ ዘርእይ እዩ” ኢሉ። ካብቶም ዕብየት ዘርኣዩ ዓውድታት እቲ ሓደ ዝኾነ ሕርሻ 6.1 ሚኢታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ’ውን ጠቒሱ። ሕርሻ ስርናይ ልዑል ዘተባብዕ ውፅኢት ይረኣዮ ከምዘሎ ብምሕባር ድማ ብዙሕ ቆላሕታ ኣብ ዘይወሃቦ ምህርቲ ሩዝ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሉፅ ውፅኢት ከምዝተርኣየ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ (ምፍራይ)፣ ኣገልግሎትን ፋይናንስን ዓብዪ ምዕባለ ከምዝተረኣየ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ንኣባላት ባይቶ ተዛሪቡ።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት bbc tigrinya ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።