ሰብ ዘይተጸበዮ ሓበሬታ ተዘርጊሑ

ኩዑሶ እግሪ : “ዋናታት ኣለዋ !” እዩ ዝበሃል : መን ከ ንዕኦም ክመስል ዘይደሊ : መን ከ ዝንኦም ዘየድንቅ …. ብፍላይ ደቡብ ኣሜሪካውያን:: ኣብ ዓመተ 2002 ዋንጫ-ዓለም ናይ ኩዕሶ እግሪ ሙንዲያል ኣብ ጃፓን ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ : እታ ሃገር ትኽተሎ ፖሊሲ መሰረት ናይ ዕጸ-ፋርስ ወልፊ ዘለዎም ሰባት ናብኣ ከይኣትው ከልኪላ ነበረት :: ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ሓደ ካብቶም ዓለምና ዘደነቁ ብርቅታት ተጻወቲን ተሸላምን ዝኾነ ኣርጀንቲናዊ ዲየጎ ኣርማንዶ ማራዶና :ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ከም ግዙእ ናይ ዕጸ-ፋርስ ስለዝተወርየሉ : ሃገረ ጃፓን ምእታው ከልኣቶ:: ሽዑ ንሱ ዝመለሰሎም እንተ ነይሩ ….. ” ጥሕኒ ትቁሕም ኢሎምስ ምስ ሃገራዊት ጋንታይ ንጃፓን ከይኣቱ ጃፓናውያን ከልኪሎምኒ :: እቲ ዝገርም ነገር ግና : ኣሜሪካ ብኣቶሚክ ቦምብ ጌራ ዘዕነወቶም ክንሳ ጋንታኣ ብምልእታ ክትኣቱ ብዕልልታ ተቀቢሎማ ::” ዝብል ነበረ ንጉስ ኩዕሶ እግሪ :ሎሚ ኣብ ቀጠር እንተዝህሉ …. ኣመና ምኾረየ :: ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ግጥም ኣርጀንቲናዊት ጋንታ ታንጎ ብሃገራዊት ጋንታ ስዑዲ ዓረብ 1-2 ….. ተሳዒራስ: ዝጸዓረ ክዕወት ከም ዝኽእል ጽቡቅ ኣብነት ንዓለምና ኾይና’ላ :: እቲ ዝስዕብ ብዘየገድስ ሎሚ ዝተራእየ ….ብዙሕ ኣብነት ክኽሰበሉ ዝኽእል እዩ :: ታክቲካዊ ብስለትን ርእሰ ተኣማንነትን ስዑዳውያን ኣብ ሜዳ ግብራዊ ጸብለልታ ኣርእዩ :: እብረና እዩ ድማ እቲ ዝስዕብ …. ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት Ismail Ali ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *