ሩስያ

ሩስያ ብመጽሔታታ ኣመሪካ ንዝወጸ መግለጺ ነጺጋቶ።

ሩስያ፡ ንዕጡቕ ጉጅለ ጣሊባን ክትድግፍ ከምዝጸንሐት፡ ብመጽሔታታ ኣመሪካ ንዝወጸ መግለጺ ነጺጋቶ።

መጽሔታት ኒው-ዮርክ ታይምስ፡ ዋሺንግተን ፖስትን ዎል ስትሪት ጆርናልን፡ ሩስያ ንጣሊባን ኣንጻር’ቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን
ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ መጥቃዕቲታት ንምክያድ ዘኽእል ደገፍ ክትገብር ከምዝጸንሐት፡ ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ኣብ
ገጻተን ከምዘስፈራ’ዩ ዝቃላሕ ዘሎ።
ይኹን’ምበር፡ ሩስያ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ከምዘይትሳተፍ ብምጥቃስ፡ ነቲ መግለጺ ኣሉታዊ ምላሽ ሂባትሉ’ላ።
እቲ መግለጺ፡ ንዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ከምዝኽእል’ያ፡ ሩስያ ኣጠንቂቓ ዘላ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ዕጡቕ ጉጅለ ጣሊባን፡ ነቲ ብመጽሔታት ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ነጺግዎ’ሎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ’ውን፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዛጊት ዝኾነ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከምዘይብሉ’ዩ ሓቢሩ።
ሩስያን ኣመሪካን፡ ብጉዳይ ሶርያ፡ ዩክሬንን ካልእ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታትን ከምዘይተቓደዋ፡ ጸብጻባት ይሕብሩ።