መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕቤት ኣርእዩ

ብምኽንያት ምስፍሕፋሽ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ምንቅስቓስ ሰባት ኣብ ዝተኣገደሉ ኣብዚ እዋንዚ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝህቦ ናይ ካርጎ ኣገልግሎት እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ መገዲ ኣየር’ታ ሃገር ገሊጹ።
እቲ መገዲ ኣየር ምስ ምቁራጽ ገያሾ ኣገልግሎት ካርጐ ካብ 15 ናብ 30% ክብ ብምባል፡ ኣብ ምግዕዓዝ ፍርያት ዕንባባ ኬንያ ዝነኣድ ስራሕ ከምዝዓመመ ሓቢሩ።
እቲ መገዲ ኣየር ብተወሳኺ ፡ መድሃኒትን መሳርሒታትን ኮረና ቫይረስ ናብ 54 ሃገራት ኣብ ርእሲ ምክፍፋሉ፡ ኣብ እዋን ጾም ሮሞዳን ድማ ብርክት ዝበለ ፍርያት ስጋ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከምዘገዓዓዘ ተፈሊጡ።
በዚ ዘካየዶ ንጥፈታት መኽሰብ’ኳ እንተዘይረኸበ፡ ቀዋሚ ወጻኢታቱ ክሽፍን ምኽኣሉ ቀሊል ከምዘይኮነ’ዮም ኣካየድቲ መገዲ ኣየር’ታ ህገር ዝገልጹ።
ኣብዚ ናይ ኮሮና እዋን ብዙሓት መገዲታት ኣየር ኣብ ዕዳ ብምእታወን ፡ ሰራሕተኛታት ከሰናብታ ገዲደን ምህላወን ይፍለጥ።