መንግስቲ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ንሕማም ኢቦላ ምሉእ ብሉእ ከምእተቘጻጸሮ፡ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ንሕማም ኢቦላ ምሉእ ብምሉእ ከምእተቘጻጸሮ፡ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
በቲ ሕማም፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ሃገሩ ልዕሊ 2,200 ሰባት ድሕሪ ሙማቶም’ዩ፡ መንግስቲ ኮንጎ
ከምእተቘጻጸሮ ዝገልጽ ዘሎ።
እቲ መንግስቲ፡ ሕማም ኢቦላ ዳግማይ ከይክሰት ክኢላታት ጥዕና ጻዕሮም ከሕዪሉ ጸዊዑ’ሎ።

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተኸስተ ሕማም ኢቦላ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2013 ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተራየ
ተመሳሳሊ ሕማም ዝዓበየ ሰብኣዊ ክሳራ ዘውረደ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።
ሕማም ኢቦላ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ጊኒ ድማ ብፍላይ ልዕሊ 13 ሽሕ ሰባት ከምዝቐዘፈ፡ ናይ ሽዑ
ጸብጻባት ይሕብሩ።
እዚ ኣብ 1976 ንፈለማ ግዜ ክርአ ዝጀመረ ሕማም፡ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጥራይ 11 ግዜ
ከምእተኸስተ ይግለጽ።