መንግስቲ ኢትዮጵያን ከብቲ ዝተገብረ ስምምዕ ሎሚ ዝገበሮ ሓቢሩ

እዋናዊ ሓድሽ ሓበሬታ | ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን መራሒ’ቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጓዕዘ ጕጅለ ተዛተይትን ዝዀነ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ብመልእኽቲ ትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ሓድሽ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ኣብ ምትግባር ስራሕ ከም ዝጀመረ ሓበሬታ ሂቡ ኣሎ። ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣብ መልእኽቱ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐን ንዅላቶም ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲን ዘጠቓለለ ምይይጥ ሎሚ ጀሚሩ ክሕብር ከሎ። እቲ ዘተ ንዳግመ-ህንጸት፡ ምሕዳስ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ምትዕርራይ ዝምድናታትን ጠሚቱ ከም ዝሰርሕ’ውን እቲ መልእኽቲ ይሕብር። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነጥፋ ትካላት፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ-መስቀልን’ውን ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንኸብጽሓ ኣብ ምድላው ከም ዘለዋ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣመልኪተን። እንተዀነ እተን ትካላት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፍቓድ መምርሒ ይጽበያ ምህላወንን ኽሕብራ ከለዋ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝምድናታት ወጻኢ ክልል ትግራይ ዝዀኑ ፕሮፈሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዝደምሰሱዎ ናይ ትዊተር መልኽእቲ፡ “ድሕሪ ምፍራም ምቍራጽ ተጻብኦታት መጥቃዕቲ ድሮንን ከቢድ ብረትን ኣብ ማይ-ጨው ህይወት ዜጋታት ወሲዱን ንኻልኦት ኣቝሲሉን” ብምባል ጽሒፉ። መልእኽቲ ፕሮፈሰር ክንዲያ ጸኒሓ ተደምሲሳ’ያ።  እዚ ሓበሬታ ካብ ወግዓውያን ገጻት ”tigrigna.voanews ”፡ ወሲድና ናባኹም ነብሎ ከምዘለና ንሕብረኩም።