መስደመም ሓበሬታ ካብ ከተማ መቐለ

ክሳብ መወዳእታ ተኸታተልዎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ፣ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ዝተወደበ ዝምታ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኣብ ዘይበጽሖም ከባቢታት ትግራይ ዝምታ ይካየድ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ነቲ ንኽልተ ዓመት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ከብቅዕ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ስዒቡ ድማ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ መንጐ ወከልቲ ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ እቲ ኲናት ደው ኢሉ እዩ። መንግስቲ ኣብ መግለጺኡ፡ ብመሰረት’ቲ ስምምዕ ሰላም፡ መንግስቲ ንህዝብን ሃገርን ዝኣተዎ መብጽዓ ይፍጽም ከምዘሎ ብምምልካት፡ “ነዚ መሰጋገሪ እዋን ከም ዕድል ተጠቒምካ” ግን ኣብ መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ዝምታ ይፍጸም ኣሎ ይብል። “ሓይልታት ምክልኻልና ኣብ ዘይበጽሖም ሓደ ሓደ ከባቢታት ትግራይ ንሰላም ሕብረተሰብ ዝህውኹ ዝተወደቡ ዝምታን ዘረፋን ይፍጸሙ ከምዘለዉ ዝሕብር መረዳእታታት ኣሎ።” እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ብፍላይ ኣብ ርእሰ-ከተማ እቲ ክልል ዝዀነት መቐለ ተሽከርከርቲ ተጠቒምካ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታውን ንግዳዊን ትካላት ዝግበር ዘሎ ዝምታ ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጺሑ’ሎ፤ “ህዝቢ ብተሌፎንን ብኻልእ ኣገባባት መራኸቢን ኣብ ዓቢ ጭንቀት ከምዘሎ ይሕብር ኣሎ” ኢሉ። ብመሰረት’ቲ ኲናት ደው ንምባል ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሰራዊት መንግስቲ መቐለ ኣትዩ ቀንዲ ትካላት ፈደራል ክቈጻጸር ምዃኑ’ኳ ዝተገልጸ እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ናብታ ከተማ ኣይኣተወን። ኣብ መግለጺኡ ግን መንግስቲ፡ እቶም ኣብቲ ይካየድ ኣሎ ዝተባህለ ምዝማት ዝተሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ካብ ሓላፍነት ከምዘይምልጡ ኣጠንቂቑ፣ “ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው መንግስቲ ሓላፍነቱ ንምፍጻም ዘድሊ ኵሉ ክገብር’ዩ” ብምባል ከኣ ኣተሓሳሲቡ። ነዚ ኣመልኪቱ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “እቲ ንሕና ክንፈትሖ ዘይከኣልና፡ ህዝብና’ውን ክፈትሖ ዘይከኣለ ጸጥታዊ ስግኣት፡ ዋላ ሓደ ክፈትሖ ኣይክእልን እዩ. . .” ኢሉ። ካብዚ ወጻኢ ግን፡ ብዛዕባ ዕምቈትን መጠንን ናይቲ ይፍጸም ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ዝምታ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን። እቲ መንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንደረጃታት ትግባረኡ ዝወሃብ ዝርዝር ወግዓዊ ሓበሬታ የለን። ኣብቲ ስምምዕ፡ እቲ ግጭት ብዘላቕነት ምቍራጽ፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ምጅማር፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ካብ ፈደራል ሰራዊት ወጻኢ ከምኡ’ውን ካልኦት ናይ ግዳም ሓይልታት ካብቲ ክልል ምውጻእን ዝብሉ ነጥብታት ስምምዕ ከም ዝተበጽሓሎም ይፍለጥ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ንኣፈጻጽማ ስምምዕ ሰላም ኣመልኪቶም ኣብ ሽረ ከምዝተዘራረቡን ሓይልታት ትግራይ ካብ ግንባራት ውግእ ይስሕቡ ከምዘለዉን ተሓቢሩ ነይሩ። ድሕሪ ምፍራም እቲ ስምምዕ፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ደው ብምባል፡ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ናብቲ ክልል ይኣቱ ከምዘሎ መንግስትን ትካላት ረድኤትን ክሕብሩ ጸኒሖም።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ”bbc /tigrinya”ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ