ሕጂ ዝወጸ ዜና ሓጎስ ካብ ኤርትራ | ነጻ ቪዛ

ተወሳኺ ጽቡቕ ዜና – ኤርትራን ኬንያን ንዜጋታት ሓድሕደን – ነጻ ቪዛ (Visa) ዘፍቅድ ሓዊሰን፡ በዓል 3-ዓበይቲ ነጥብታት ሓባራዊ ስምምዕ መዘክር (JOINT COMMUNIQUE) ከቲመን፡ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ዑደት ክፍጽም ዝጸንሐ ብፕረዚደንት ዊሊያም ሩቶ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኬንያ፡ ሎሚ 10 ታሕሳስ 2022፡ ክልቲኦም መንግስታት ሓባራዊ ስምምዕ መዘክር ከቲሞም ኣለዉ። ብመሰረት’ዚ ኣብ ክልተኣዊ፡ ዞባውን ብዙሓውን ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ንግድን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ዘተኰረ 3-ቀንዲ ነጥብታት ዘጠቃለለ መዘክር ክኽትሙ ከለዉ፡ ዜጋታት ክልተአን ሃገራት ካብን ናብን ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ዝሕተትዎ ዝነበሩ ናይ ቪዛ ቅጥዕታት ድማ ክተርፍ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ’ሎ። እቲ ነጥብታት “ሓባራዊ ስምምዕ መዘክር” እዚ ይመስል፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ምዉቕን ዓሚቕን ምይይጥ ስዒቡ እዚ ዝስዕብ ስምምዕ ተገይሩሉ፤ •√ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት፤ 1. ክልቲኦም መንግስታት ኣብ መንጎ ኬንያን ኤርትራን ክልተኣዊ ዝምድና ንምድልዳል፡ ከምኡ’ውን ዞባዊ ውህደት ንምዕባይን ንምዕሟቕን ዝዓለመ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንምሕያል ተሰማሚዖም። ነዚ ንምትግባር ድማ ክልቲአን ሃገራት ካብ-ናብ ዜጋታተን ዝገብርዎ ምንቅስቃስ፡ ዝጠልቦ ቪዛ ክስርዛ እየን። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብመንፈስ ፓን-ኣፍሪካኒዝም እውን ክተሓባበራ እየን። •√ ኣብ ዞባውን ብዙሕነታውን ጉዳያት፡ 2. ክልቲኦም መራሕቲ ብሓባር ክሰርሑን ኣብ ዞባዊ ውህደት ክመኻኸሩን ከምኡ’ውን ዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላውን ተሰማሚዖም። በዚ መንጽር ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ሃገራት እዚ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋጽን ብዝብል ዕላማ፡ ኣብ’ዚ ዞባ ትካላዉን፡ ጽኑዕ መንፈስ ዘለዎን መሪሕነት ከም’ዘድሊ ክልቲኦም ወገናት ተረዳዲኦም። •√ ኣብ ጉዳይ ንግድን ዞባዊ ምትሕብባርን ዝምልከት፡ 3. ክልቲኦም መራሕቲ ዞባዊ መጓዓዝያ መሬት፡ ባሕርን ኣየርን ብምምዕባል ዞባዊ ንግድን ወፍርን ምድንፋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ካብ ምስፋሕ ቁጠባን ምውህሃድ ሃብትን ተጠቀምቲ ብዝኾኑ ዞባዊ ተበግሶታት ኣቢልካ እዋናዊ ብድሆታት ምብዳህ ከም’ዘድሊ ኣመልኪቶም። እዚ፡ በዚ ዕለት 10 ታሕሳስ 2022 ኣብ ኣስመራ ኤርትራ፡ ክታም ክልቲኦም ወገናት ብዘለዎ መንገዲ ተፈጺሙ። ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ጸሓፊ ካቢነ ሚኒስተራትን ሚኒስተር ምክልኻልን ኣደን ጉረ፡ ምክትል ሓለቃ ስታፍ ጆስፋት ናኖኬት፡ ሰነተራት ማንዳጎ ከም’ኡ ዉን ቸሩዮት፡ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ዉጽኢታዊ ናይ ስራሕ ወግዓዊ ዑደቶም ዛዚሞም፡ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተፋኒዮም። ስእልን ሓበሬታን፡ ወግዓዊ መርበብ ሚ/ዜና፡ጽሑፍ NationalEr Interest ካብ ገጻት ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።