ሕጂ ዝወጸ ዜና ሓጎስ ኤርትራውያን

ሕጂ ዝወጸ ዜና ሓጎስ ኤርትራውያን፡ ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቀዳዳማይ ቢንያም ግርማይ፡ ብልጹ ተቀዳዳማይ ኣፍሪቃ እዚ ዓመት – 2022 ኮይኑ ተሮቂሑ፡ ኣቀድም ኣቢሎም ኣዳለውቲ ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ (Tropicale Amissa Bongo) ኣብ ገጻት ትዊተር ኣብ ዘዉጽእዎ ዝርዝር ኣስማት ብሉጻት ተቀዳደምቲ ዓመተ 2022፡ ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቀዳዳማይ በልጂማዊት ክለብ ኢንተርማርቸ (Intermarché-Wanty-Gobert) ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቀዳዳማይ እዚ ዓመት ኮይኑ ክሩቓሕ ከሎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሉዊስ ማንትጀስን ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ ናትናኤል ተስፋጼን 3ይ ኮይኖም ተሮቂሖም። ካብ ዝተረቁሑ ጠቅላላ ተቀዳደምቲ፡ ኤርትራ ነቲ ፍርቁ 5-ቦታ ክትሕዝ ከላ፡ 3-ደቡብ ኣፍሪቃዉያን፡ 2-ድማ ሩዋንዳዉያን፡ ምስ ብሉጻት 10 ኣቲዮም። 1. 🇪🇷 Grmaye Biniam – IntermarchWG, 2. 🇿🇦 Louis Meintjes – InterMarchWG, 3. 🇪🇷 Natnael Tesfation – Trek-Segafredo, 4. 🇷🇼 Mugisha Moise – Protouch Team, 5. 🇪🇷 Henok Mulubrhan – Bardiani CSF, 6. 🇿🇦 Dary Limpey – Israel Prem Tech, 7. 🇪🇷 Amanuel G/ghabiher – TrekSegafredo, 8. 🇪🇷 Dawit Yemane – Bike Aid, 9. 🇷🇼 Paul Daumont – Protouch Team, 10. 🇿🇦 Gustav Basson Protouch Team, እንቛዕ ሓጎሰና !!! እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ፡ ቢኒያም ግርማይ ኣብ ሓንቲ “L’Equipe” ዝተሰመይት ህብብቲ መጽሔት ፈረንሳ፡ ንስፖርታዊ ጉዕዝኡን ዓበይቲ ዓወታቱን ኣመልኪቱ፡ ኣብ ገበራ ክወጽእ ከሎ፡ “እንተ’ኣሚንካ” (“BELIEVE”) ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዉን፡ ብዛዕብኡ ሰነዳዊ ፊልም (Documentary Film) ይዳሎ ኣሎ። ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት NationalEr Interest ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሕጂ ዝወጸ ዜና ሓጎስ ኤርትራውያን ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።