ሕጂ ዝወጸ ዓቢ ዜና | ጉዳይ ሰራዊት ህወሓት

ዓቢ ሓበሬታ ተዘርጊሑ› ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ምቕውራጽ ተጻብኦታትን፡ ትግባረ ስምምዕን መሰረት ብምግባር፡ ዕጡቃት ግብራዊ ስጕምቲታት ይወስዱ ከም ዘለዉ ክግለፅ ጸኒሑ እዩ። ዋና ኣዛዚ ዕጡቃት ህወሓት ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ 65 ሚእታዊት ካብ ሓይልታቶም ነቲ ውግእ ክካየደሉ ዝፀንሐ ቀንዲ ግንባራት ከም ዝለቐቝ፡ ዝሓለፈ ቀዳም 24 ሕዳር ብመገዲ ተሌቪዥን እቲ ክልል ገሊፁ። እቲ ብዝሑ ዘይተገለፀ ሰራዊት ካብቲ ዝፀንሖ ግንባራት ደቡብ፡ ማይቅነጣል፡ ዛላምበሳ፡ ነበለት፡ ጨርጨር፡ ኩኩፍቶ፡ ሕጉምብርዳ፡ በሪ ተኽላይን ኣበርገለን ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ክወፅእ ከም ዝጀመረ፡ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣቐዲመን ገሊፅን ምንባረን’ውን ኣይርሳዕን። ጀነራል ታደሰ ኣብ መግለጺኡ፡ እቶም ሓይልታት ናብ ዝተመደበሎም ቦታ ይግዕዙ ከም ዘለው እውን ሓቢሩ። እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ንዘላቒ ሰላም ድሕሪ ዝተኸተመ ስምምዕ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እዩ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ጀነራል ባጫ ደበሌ ‘ውን፡ ሰራዊት ህወሓት ብመሰረት ኣብ ዝተበፅሐ ስምምዕ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣትሒዞም ከበደቲ ብረታታቶም ከረክቡ ምዃኖም ገሊፁ ነይሩ።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ሓቂ media ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።