ሕጂ ዝወጸ ዓቢ ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ህወሓት

መንግስቲ ኢትዮጲያን መሪሕነት ወያነን ኣብ ኬንያ ንሳልሳይ ጊዜ ዝርርብ ከካይዱ ሙዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ። ኣጀንዳ ናይዚ ክሳብ ሕጂ ጊዜ ዘይተነጸረሉ ዝርርብ ወግዓዊ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ክልቲኣቶም ወገናት ኣብ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያን ኬንያን ኣድሂቦም ክዘራረቡን ዝተሰርሑ መደባት ከም ዝግምግሙን ተኣንፊቱ’ሎ። ብመሰረት በጨቕ ዝብሉ ዘለዉ ደቀቕቲ ሓበሬታታት፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክሃመርን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ፕ/ት ኦሊሶጎን ኣባሳንጆን ፍሉይ ልኡኽ ኬንያ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኢሂሩ ኬንያታን ካልኦት ኣስማቶም ብወግዒ ዘይተነጸሩ ዉልቀሰባትን ክሳተፉ’ዮም። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ንኣማኻሪ ቐ/ሚ ኢትዮጲያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ኣቶ ጢሜጦስን ጠቕላላ ኣዛዚ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጲያ ኢታማጆር ጀ/ ብርሃኑ ጁላን ዘካተተ ላዕለዋይ ልኡኽ ከም ዝልእኽ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብወገን ህወሓት ድማ ብኣማኻሪ ዶ/ደብረጼን ገ/ሚካኤል ጌታቾዉ ረዳን ሌ/ጀ ጻድቃንን ሌ/ጀ ታደሰ ወረደን ካልኦት 12 ኣባላት ዘካተተ ልኡኽ ከም ዝሰድድ ምንጭታትና ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መሪሕነት ህወሓት ጉጅለ ተዘራራቢ ሰላም ኢሉ ዝጸዉዖ 11 ዝኣባላቱ ጉጅለ ኣብ ቤት-ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣጽዲቐ ክብል ሓበሬታ ፈንዩ ኔሩ’ዩ። እዚ ንብዙሓት ወገናት ኣገራሚ ኮይኑ ዘሎ ሓድሽ (ጠምዛዚ) ምንቅስቓስ፡ ነቲ ኣብ ፕሪቶርያን ኬንያን ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ከየዉድቕ ስግኣታት ከም ዘሎ ተገሊጹ’ዩ። ኣቐዲሙ’ዉን መሪሕነት ህወሓት ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝኸተሞ ስምምዕ ከጓቱቶን ክጠዋዉዮን ተራእዩ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብቲ ንሱ ዘይቆጻጸሮ ቦታታት ሽፍትነት ገኒኑ ምህላዉን ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነቱ ከም ዘልዕል መጠንቀቕታ ከም ዝሃበን ይፍለጥ። ድሕሪ’ዚ ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቾዊ ረዳ ነቲ መግለጺ ብኣሽካዓልል ዝመስል ስነ-ሞጎት ክምልሰሉ ሃቂኑ’ዩ። እዝን ካልእን ተደማሚሩ፡ ኣብ ጽፍሒ መሪሕነት ዝርከቡ ኣገደስቲ ሰባት፡ ዕላማታት ህወሓት ንምንጻር ሰፍሕ ዝበለ ክትዓት ከካይዱ ጸኒሖም ኣለዉ። ድሕሪ ዝርርብ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ እወታዊ ዝመስል ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ከም ዝጨበጠ ክንገር ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ገለ ገለ ሜድያታት ኢትዮጲያ’ዉን “ኣብይ ኣሕመድ፡ ንድሕነት ኢትዮጵያ’ዶ ንድሌትን ጠለባትን ኣመሪካ” ዝብል ተረርቲ ሕቶታት ከለዓዕሉ ዝተራእየሉ እዋን ኣሎ። እምበኣርከስ እዚ ሕጂ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ 3ይ መድረኽ ዝርርብ ሰላም ፈቲሕና ንረድኣዮ!! ኣብ ከመይ መድረኽ’ዩ ክካየድ ኣብዚ እዋን ዓሌታዊ ግጭት ኣምሓራን ኦሮሞን ተሸሪሑ ኣሎ። እዚ ሽርሒ እዚ፡ መጐልበቢ ገበን ወያነ፡ ምውንዛፍን ምግዳፍን ምፍታሕ ዕጥቅን ኮይኑ በቲ መዐደጊ ትንሳኤ ወያነ እዩ ዝብል ዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዓብሊሉ ኣሎ። ፖለቲከኛታትን ተነጣጠፍትን’ውን፡ መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ብጋህዲ ክዛረቡ ይደልዩ ኣለዉ። ኢትዮጵያ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ምብትታን ገጻ ተምርሕ ከም ዘላ ዝትንበዩ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ብፖለቲካዊ ኣካይዳ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝሰግኡን ዝፈርሑን’ውን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ሃገራዊ ናይ ድሕነት ምስጢር ኣብ ምቕላዕ ይርከቡ። ንነዊሕ እዋን ንረብሓን ድሕነት ሃገሮም ስምዒቶምን ትዕዝብቶምን ቀቢሮም ዝጸንሑ ተነጣጠፍቲ’ውን ጉልባቦም ኣብ ምግፋፍ ይርከቡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመስርሐ ጉዳያት’ውን ኢትዮጵያውያን ዓቢ ጉዳይ ገዲፎም ኣብ ደቀቕቲ ነጥቢታት ክደቁ ዝተኣልመ እዩ ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ኣብይ ኣሕመድ “ንረብሕኡን ንስልጣኑን ክብል ሓደ ብሓደ ድሌትን ጠለባትን ኣመሪካ ከተግብር እዩ ተላዒሉ፡ ኣብ ኣራት ኪሎ ንምጽናሕ ኩሉ ዝተሓተቶ ክፍም ምዕይ ኣይክብልን እዩ። ብዛዕባ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቅንጣብ ሓልዮትን ተገዳስነትን የብሉን። ናይ ኣምሓራ ሕቶ ምሉእ ብምሉእ ጉዳይ ረጊጽዎ። ንመስርሕ ምውራድ ዕጥቂ ገዲፉ ብዘይገደብ ቀረብ መሰረታዊ ኣገልግሎት ንወያነ ይህብ ኣሎ” ካልእን ዝብሉ ዕቃበታት በጨቕ ክብሉ ጸኒሖም። ካብ ወያነ ዝተማህሮ ናይ ሓሶትን ግልብጥብጥን ባህርያቱን ብደቂቕ ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና ዝብሉ ካልኦት ተንተንቲ’ውን ምስቲ ናይ ዶክተር ኣብይ ናይ ወግሐ ጸብሐን ተራጻምን ሓበሬታ ኣመሳቒሎም ይርእዩዎ ኣሎው። ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓሶት ንምትላል ዝኽተሎ ዘሎ ጥበብ’ውን ዓሌታዊ ኲናት ከለዓዕሎ እዩ” ዝብል ክስታት’ዉን ኣይተሳእነን። እዚ ከኣ ካብ ንድሕነትን ልምዓትን ኢትዮጵያ ንድሌትን ጠለባትን ኣመሪካ ከማልእ እዩ ዝብል መደምደምታ የቕርብሉ። ጥቕልል ብዝበለ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያን ኬንያን፡ ዕግበታት ዝጎዶሎ ርድኢት ቑሩብ ብርኽ ኢሉ ኣሎ። ኣብ መደምደምታ– ኪኖ’ቲ ዘሎ ዕቃበታትን ስግኣታትን፡ መሪሕነት ህወሓት በቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝወሰዶ ረቂቕ ስልቲ ኣብ ቐራና መገዲ ተቐርቂራ ትርከብ። ብሓደ ወገን ደላይት ሰላም ክትመስል፡ በቲ ኻልእ ድማ ጥጁእ ኣጀንዳታታ ከተተግብር ህርዲግ ኣብ ምባል’ያ ተጎቢኣ ዘላ። ኣብ ጠረቤዛ ተዋሂቡዋ ዘሎ ሕርያታት ኣዝዩ ኣዋጣሪ ሙዃኑ መራሕታ’ዉን ብግልጺ ይዛረቡሉ ኣለዉ። መንግስቲ ኤርትራ’ዉን ኣብ ረብሓታት ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ተሪር መትከል ሒዙ ካብ ምኻድ ዝዓገቶ ሓይሊ የለን። ህወሓትን ኣሳሰይታን ኣብ መፈንጠርያ ኣትዮም ምህላዎም፡ ግደፍ ንብደቂቕ ዝዕዘብ፡ ነቶም ብማዕዶ ዝዕዘቡ’ዉን ግሁድ ኮይኑ’ሎ። 3ይ መድረኽ ዝርርብ ሰላም’ዉን ካልእ ጣቛ ክህልዎ ኣይኮነን። ቑልፋን ስሪኣን ዘረከብት ህወሓት፡ መሊኣ ብታንታ እተረክበሉ ጊዜ ኣኺሉ ኣሎ።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ”Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን”ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።