ሕጂ ዝወጸ ምልእ ሓበሬታ | ጉዳይ ተዛዚሙ

ሰላም እዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት መንግስቲ ኢትዮጵያዊ ከምዘለዎ ናባኹም ነብሎ ስለ ዘለና ፤ ንሕና ዘይነዘውትሮም ቃላት ወይ ብሂላት ክትረኽቡ ስለ ትኽእሉ፡ ኣቀዲምና ነዚ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ናብቲ ዝወጸ ሓበሬታ ክነብለኩም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሎም ወገናት ምህላዎም ምትግባር እቲ ስምምዕ ከምዝተጀመረ ዘርኢ’ዩ” ኦልሰንጎ ኦባሳንጆ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ፣ ፍሉይ ልኡኽ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ። ኣዲስ አበባ፥ 28 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም (አሚኮ) ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኬፕታዉን፣ ወከልቲ መንግስቲ ፌደራል፣ ተወከልቲ ሚሊሻታት ህወሓት፣ ፍሉይ ልኡኽ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦልሰንጎ ኦባሳንጆን ነበር ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ተረኺቦም፣ ብዛዕባ ዝቕጽል ስጉምትታት ተዘራሪቦም። ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ሃገራዊ ድሕንነት ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣብይ ኮሚቴ ኣማራፂ ሰላም ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፣ መንግስቲ ፌደራል ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብን ዝዓነዉ ትካላት ናብ ንቡር ንምምላስን ዝሰርሓሎም ዘሎ ጉዳያት መብርሂ ሂቦም ኣለዉ። ተወከልቲ ሚሊሻታት ህወሓት ብኣንፃሩ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክትግበሩ ዝግበኦም ጉዳያት ንምትግባር ሓያል ድሌትን ቆራፅነትን ከምዘለዎም ብምግላፅ፣ ነቲ ኣፈፃፅማ ናብ ዉፅኢት ንምቕያር ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣብቲ መድረኽ ገሊፆም። ብሕብረት ኣፍሪቃ፣ ፍሉይ ልኡኽ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኦልሰንጎ ኦባሳንጆ ብወገኑ “ኣብዚ ሕጂ ኩሎም ወገናት ምህላዎም ምትግባር እቲ ስምምዕ ከምዝተጀመረ ዘርኢ’ዩ፣ ስለዚ ኣብ መጻኢ ዕዉት ከምዝኸውን ጽኑዕ እምነት ኣለኒ” ኢሉ። ነበር ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ “እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝጀመረ ዝርርብ ሰላም ሕጂ ናብ ኬንያ በጺሑ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ኩሉ ክዕወትን ኣብ ኢትዮጵያ ሕጉሳት ክንከውንን ተስፋ እገብር” ክብሉ ሓቢሮም። ከም ፀብፃብ ኬንያ ሲቲዘን ቲቪ።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ”Amhara Media Corporation/Tigrigna ትግርኛ”ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።