ሕጂ ዝወጸ መግለጺ | ብዛዕባ ብዛዕባ ሰራዊት ህወሓት

ኣብ ጎኒ ሰራዊት ፈደራል ብምስላፍ ኣብ ኲናት ትግራይ ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት፡ ዕጡቓት ትግራይ “ብረት ድሕሪ ምውራዶም” ክወጹ ምዃኖም ላዕለዋይ በዓልመዚ ኢትዮጵያ ተዛሪቡ።  ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፡ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ዝተቐየረ መርገጺ የለን” ክብል ጽሒፉ’ሎ። “ካብ [ሰራዊት] ምክልኻል ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ክወጹ’ዮም ዝብል ቅኑዕ’ዩ” ዝበለ እቲ ብዓል ስልጣን፡ ሓይልታት ትግራይ “ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ተሓድሶ እንተ ኣትዮም [ናይ ወጻኢ ሓይልታት] ኣብኡ እንታይ ዘጽንሕ ኣለዎም” ኢሉ። “ቀደሙ’ውን ተገዲዶም’ዮም ኣትዮም” ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብቲ ብ2 ሕዳር ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ዝተፈረመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ከውርዱ ህወሓት ምፍራሙ ይዝከር። ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ብ12 ሕዳር ኣብ ናይሮቢ ዝፈረምሉ ኣዋጅ ድማ ” ምውራድ ከበድቲ ኣጽዋራት [ሓይልታት ትግራይ]፡ ሓይልታት ወጻኢ ከምኡ’ውን ካብ ሓይሊ ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ሓይልታት ካብቲ ክልል ኣብ ዝወጽኡሉ ሓቢሩ ዝፍጸም’ዩ” ይብል።ብወገን ህወሓት፡ እቲ ኣብቲ ስምምዓት ስሙ ዘይተጠቕሰ “ናይ ወጻኢ ሓይሊ ናይ ኤርትራ’ዩ ዝብል እምነት ኣለና” ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ። ኣቶ ጌታቸው ድሕሪ ስምምዕ ናይሮቢ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ “ብግልጺ ክጽውዑ ጸቒጥና ንሓትት ኢና። እቲ ሓደ ወገን [ስለምንታይ ከጥቀሱ ኣይደልን] ክግምት ኣይክልን’የ። “ባዕልና ክነውጸኦም ኢና ዝብሉ እንተዀይኖም ዕጥቂ ሒዝና እንቕጽለሉ ምኽንያት የለን ዝብል እዩ እቲ ስምምዕ። እቲ ዅነታት ብወርሒ ድዩ ብዓመት ዝውዳእ ግን እቶም ሰባት ምስተራኸቡ ዝገብርዎ ነገር እዩ”። ንምውራድ ዕጥቂ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ንሕና ዕጥቂ ዘልዐልናሉ ምኽንያት ህዝብና ክነድሕን እዩ” ኢሉ። ህወሓት ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ንምውራድ ምስምምዑ ንብዙሓት ተጋሩ ባህ ኣየበሎምን። ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ዝተባህለ ተቓዋሚ ሰልፊ እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይውክል ብምግላጽ ነቲ ስምምዕ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ’ሎ። ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት) ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ክትግበር ከምዝድግፍ’ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘለዎ ተሪር ነቐፌታ ይገልጽ። ንጉጅለ ልኡኽ ህወሓት መሪሑ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረመ ኣቶ ጌታቸው ግን “ብሰላማዊ መንገዲ ህዝቢ ዝድሕነሉ ኵነታት እንተርኢና ናብ ሰላም ዘይንመጸሉ ምኽንያት የለን ኢልና ናብዚ ጉዳይ ኣቲና። “ስለዚ ዕጥቂ ምውራድ ልዕሊ ኵሉ ምስ ናይ ትግራይ ጸጥታ ክተሓሓዝ ኣለዎ ዝብል ኢና ኣልዒልና። ኣብኡ ድማ ኢና ረጊጽና። ኣንጻር ትግራይ ዝስለፍ ብዙሕ እዩ። ናይ ከባቢ ሓይልታት ኣለዉ። ናይ ፌደራል መንግስቲ ዝበሃል ሓይሊ ኣሎ። ናይ ኤርትራ ሓይሊ ኣሎ” ብምባል ነቲ ዝወሰድዎ ውሳነ ቅኑዕ’ዩ ክብል ተኸላኺሉ። እቲ ስምምዕ ብስም ህወሓት ምፍራሙ’ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ሓያል ነቐፌታ ዘስዓበ ሕድገታት’ዩ። ኣቶ ጌታቸው፡ “ህወሓት ኣይፈረመን! መንግስቲ ትግራይ’ዩ ከይዱ፡ ንመግስቲ ትግራይ ስለ ዘይንፈልጦ ህወሓት ክንብለኩም ኢና ኢሎምና። ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ” ብምባል ተገዲዶም ከምዝተቐበልዎ’ዩ ዝገልጽ። ሕጂ’ውን መኣረምታ ክግበረሉ ይሰርሑ ምህላዎም’ዩ፡ እቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “ብተደጋጋሚ ንነግሮም ኣለና። ህወሓት ሰራዊት ዝበሃል የብሉን፡ ዕጥቂ ኣውርድ ክብል ኣይክእልን፡ ስራሕና ኢኹም ተኽብድዎ ዘለኹም. . . ዕጥቂ ምውራድ  ዝበሃል መስርሕ ክንጅምር፡ መንግስቲ ትግራይ ሓላፍነት ይውሰድ” ብምባል ይምጉቱ ከምዘለዉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ  ብመሰረት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዓት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ዝጸንሐ ህዝቢ ክልል ትግራይ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይኣቱ’ሎ። ብረቡዕ 16 ሕደራ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን፡ ናብታ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት መንግስቲ ዘላ ከተማ ሽረ ናይ ፈተነ ሰብኣዊ በረራታት ኣካይዶም ኣለዉ። ካብ ርእሰከተማ ናይቲ ክልል ዝኾነ መቐለለ ተመሳሳሊ በረራታት ከካይዱ ከምዘድልዮም’ውን ኣነጺሮም ኣለዉ። ብዘይካ’ዚ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝጸዓና ቃፍላይ መካይን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብን ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከምዝኣተወ ትካል መግቢ ዓለም ሓቢሩ። ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት bbc tigrinyaምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።