ሕጂ ዝተረክበ ደስ ዝብል ዓቢ ዜና

ሎሚ ካብ ዝተዘርግሐ ድስ ዝብል ዜና ፡ብመሰረት ናይ PCR TEST ዘማልአ ሮቓሒታት ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ በረራ ነፈርቲ ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ ፡ ኣስመራ ዱባይ ብከፊል ክጅመር ሙኻኑ ሚኒስትሪ መጎዓዝያን መራኸቢታትን ገሊጹ ።
#Eritrea ሚኒስትሪ መጎዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ሎሚ ዕለት 05 ሚያዝያ 2021 ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ከፊላዊ ምጅማር ንግዳዊ በረራታት ኣስመራ- ኣዲስ ኣበባ/ ኣስመራ- ዱባይ ከምዝጅመር ሓቢሩ። እዚ ሰሙናዊ ዝግበር ከፊላዊ ምጅማር ንግዳዊ በረራታት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ መምርሒታትን ቅጥዕታት ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ብምምልእን ብምትግባርን ከምዝፍጸም እቲ ሓበሬታ የረድእ።ነዚ ናይ ሓጎስ ዜና ናብ ሃገራውያን መቅርብና ሸር ብምግባር ነብጽሐሎም፡