ሓድሽ ሓበሬታ | ናብ ኲናት ዝእንፍት ምንቅስቓሳት ይገብሩ ኣሎ

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይብሉ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዝበልዎ ህወሓት ኣሸማገልቲ ዝበለዎም ሰባት ከምዝረቑሑ  ይዝከር።ካብ ሎሚ ረቡዕ ክሳብ ዝመጽእ ዓርቢ ምስ ተወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዘራረቡ እዮም ተባሂሉ ኣሎ።ዕንኪላሎ !።እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ጻዕዳ ገዛ ወከልታ ከም ተዓዘብቲ ኣብቲ ርክብ ምስታፎም እዩ። ማለሊት ኩሉ ዕጥቃ ፈቲሓ ኣብ ካምፕ ትህልወሉ ግዜ እናሃለወ ካልእ ዘይጭበጥ ዝርርባት ንምግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ መድለዮዶ ? ኣብዚ ሳልስቲ ህወሓት ናብ ኲናት ዝእንፍት ምንቅስቓሳት ይገብሩ ከምዘለዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት የጋውሑ ኣለዉ።ህዝቢ ትግራይከ ብህወሓይ ዝተረፉ ደቁ ከጥፍእ ድሉው ዶ ይኸውን ? ኣብቲ ማለሊት ትቆጻጸሮ ቦታታት ረዲኤት ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዝዕደል ይኽዘን ከምዘሎ ገለ ተጋሩ ነዚ ሓቂ የቃልዑ ኣለዉ። እቲ ውንኮ ፍታሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጻዕዳ ገዛ ጸማም እዝኒ ብምሃብ ንጃንዳ ክሓካ ጥራይ እዩ ዘለዎ።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ”Awet N Eritrea”ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።