ሩስያ

ሓይሊ ኣየር ሩስያ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ዓጊቱ ከምዝመለሰ ሓቢሩ

ሓይሊ ኣየር ሩስያ፡ ኣብ ክሊ ኣየር ጸሊም ባሕሪ ትዝንቢ ከምዝነበረት ንዝጠቐሳ ወተሃደራዊት ነፋሪት
ኣመሪካ ዓጊቱ ከምዝመለሰ ሓቢሩ።
እቲ ስጕምቲ “ውሑስ” ምንባሩ ዝጠቐሰ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ኣመሪካ ነፈርታ ኣብ ከባቢ
ክሊ ኣየር ሃገሩ ካብ ምብራር ክትቍጠብ ጸዊዑ።
ኣመሪካ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝሃበቶ መግለጺ ዛጊት የለን።
ሓይሊ ኣየር ሩስያ፡ ኣብ ክሊ ኣየር ጸሊም ባሕሪ ንዝበራ ነፈርቲ ሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ፡ ናይ ኣመሪካ
ድማ ብፍላይ ዓጊታ ክትመልስ፡ እዚ ናይ ፈለማ ከምዘይኮነ፡ ጸብጻባት የረድኡ።