ኤርትራ

ሓባራዊ ወፍሪ አብ ኤርትራ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ህዝቢ ዓደ-ጣል – እምባላኻ ብማሽነሪ ተሓጊዙ፡ ፍግረ-መሬት ንምክልኻልን ትሕተ-ባይታዊ ማይ ንምህብታምን ዝዓለመ ወፈራታት የሰላስል ኣሎ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ስራሕ፡ ከባቢ ምርጋእን ምንጪ ማይ መደበር ፈልሲ ምህብታምን ምዃኑ፡ ነቲ ስራሕ ዝመርሑ ዘለዉ ሞያውያን ገሊጾም።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘካየድዎ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ጽቡቕ ውጽኢት ስለዝረኸቡሉ፡ ብዝበለጸ ክደፍኡሉ ከምእተተባብዑ ሓቢሮም።

ዓዲ-ጣል – እምባለኻ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ባጊዕ እትጥርነፍ ኮይና፡ ካብ ከተማ ሰንዓፈ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ትርከብ።