ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ ጉዳይ ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ

ኣብ ኢትዮጲያ ሓድሽ ፖለቲካ’ዩ መጺኡ ዘሎ። ኢትዮጲያ ኣብ ዕረያ (reform) ካብ እትኣቱ ድሮ ልዕሊ 4 ዓመት ክትቆጽር ቐሪባ’ላ። ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ፡ ነቲ ሒዝዎ ዝመጸ ናይ ዕረያ መስመር ብዘገርም ፍጥነት ኣብ ምክንዋን ይርከብ። ሽሕ’ኳ ሓርጎጽጎጽ ዘለዎ መገዲ እንተኾነ፡ ነቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ክህነጽ ዝጸንሐ ኣተፋናኒ (diabolical) ስርዓተ መንግስቲ ብብልሓት ኣብ ምዕናዉ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ከቢድ ፈተነ ናይዚ ዕረያ ክዉሰድ ዝኽእል ምሕቃቕ ዓቕምታት ጃንዳ ማለሊት’ዩ። እምበኣርከስ ምስ ኩሉ ጸገማቱ፡ ኢትዮጲያ በጺሓቶ ዘላ ናይ ዕረያ ብራኸ ኣዕጋቢ ኢልካ ኣሕጽር ኣቢልካ ክግለጽ ይከኣል’ዩ። ነዚ ስነ-ሞጎት’ዚ፡ ትንቢታዊ ትንታነ ጀ/ ስብሓት ኤፍሬም ንፖለቲካዊ ኩነታት ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ብልክዕ ኣቐሚጥዎ’ዩ። ፖለቲካ 50ታት፡ 60ታት፡ 70ታት፡ 80ታት፡ 90ታት ንዞባና ናብ ሓድሽ ቕርጺ ምዉሳዱ ኣይከሓድን። መድረኻዊ ጉዕዞ 80 ዓመታት፡ ንፖለቲካዊ ካርታ ኢትዮጲያ ሱር መሰረቱ ቐያይሩዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንፖለቲካዊ ካርታ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ’ዉን ከም ብሓድሽ ሃኒጹዎ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ጀ/ ስብሓት ከምዚ ክብል ገሊጹዎ ምንባሩ ንዘክር። “እንተድኣ ሃይለስላሴ ነፊዑ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጲያ ሓዊሱዋ። እንተድኣ መንግስቱ ሓሚቑ ንኢትዮጲያ ናብ’ቲ ናይ 40ታት ካርታ መሊሱዋ። ሕመቕ ወያነ’ኸ ንኢትዮጲያ ናበይ’ዩ ክወስዳ? ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃይለስላሴ እንታይ ኣምጺኡ? ምሕያል ሰዉራ ኤርትራ። ፖለቲካዊ ምዕባለ መንግስቱ ሃይለማርያም እንታይ ኣምጺኡ? ናጽነት ኤርትራ። ፖለቲካዊ ምዕባለ ወያነ’ኸ እንታይ’ዩ ከምጽእ?” ጀ/ ስብሓት ኤፍሬም ነዛ ሕቶ ከቐምጥ እንከሎ፡ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኢትዮጲያ ካብ ዘሻቕል ናብ ዝኸፍአ ይኸይድ ብምንባሩ’ዩ እዋናዊ ጌሩዎ ኔሩ። ካብ 2018 ጀሚርና ዝረኣናዮ ምዕባለታት እንተድኣሃልዩ፡ ፖለቲካዊ ሚዛን ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ብዘገርም ፍጥነት ኣብ ምቅይያር ምህላዉ’ዩ። ኣብዚ ስነ-ሞጎት’ዩ እምበኣር ፖለቲካዊ ዉሳነታት ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ኣካታዕን ኣዛራብን ዝኸዉን። ኣብነታት ንምጥቃስ– ሀ) ስብሓት ነጋ ካብ ቤት ማሕፉዝ ምፍታሕ ለ) ካብ ክልል ትግራይ ኣዝሊቕካ ምዉጻእ ሐ) መቐለ ካብ ምቁጽጻር ምቑጣብ መ) ምስ መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ፖለቲካዊ ዘተ ምክያድ ኣብ ኢትዮጲያ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሓዲድ ንህንጸት ሃገር (ሕብረተሰባዊ ህንድስና) ዓዳሚ ኮይኑ ኣይጸንሐን። ክልላት ቖይመን፡ ብናይ ገዛእ ርእሰን ሰራዊት ክሳብ ናይ ሃገር ምክልኻል ምህራም ተራእዩ። ብፍላይ ጃንዳ ማለሊት ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፡ ፖለቲካዊ ቑመና ኢትዮጲያ ካብ ንቡር ኣንደልሂጹ ናብ ገደል ገጹ ኣማዕድዩ ጸኒሑ’ዩ። ቕርዑይ ዘይኮነ ሓዲድ፡ ንባቡር ሒዙዋ’ዩ ዝጸድፍ። ጃንዳ ማለሊት ዝሃንደሶ ሕገ መንግስቲ’ዉን ንፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር፡ ዳርጋ ካብ ግቡእ ኣካይድኡ ኣዉጺኡ ንጸድፊ ክደፍኦ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ናይ ቁጽጽር (containment) ፖሊሲ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን። ከም ኣብነት ኣብ ዓንቀጽ 39 ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ጉዳይ ኣወንዚፉ ብደረጃ ረፈረንዱም ክፈትሖ ምምራጹ ኣገዳሲ ይገብሮ። ኣብ ጉዳይ “ወልቃይትን ሑመራን” ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተሞርኪሱ ብረፈረንዱም ክፈትሖ ምምራጹ እቲ ካልእ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ጉዳይ ባንዴራ’ዉን ከምኡ፡ ብመስርሕ ረፈረንዱም ክፍታሕ መረዳእታ ተበጺሑ ኣሎ። ኣብ ኣቃዉማ ክልላትን ፍሉይ ሓይልን’ዉን እንተኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ ምህናጽ ሃገራዊ ምክልኻልን ጸጥታን ኣተኣሳሲሩ ክፈትሖ መደባት ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ግን፡ ጉዳይ ጃንዳ ማለሊትን ሸኔን ኣልሸባብን ኮይኑ ይርከብ። ዕጡቓት ሃገር ክሕምሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ መድረኽ መጺኻ ግን፡ እዞም ዕጡቓት እዚኣቶም ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣእትዮማ ይርከቡ። ገለ ካብ ናይዚ ወርሒ ኣዛረብቲ ዉሳነታት– ሀ) መንግስቲ ኢትዮጲያ ንምንታይ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣምሪሑ? ንምንታይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኸቲሙ? ንምንታይ ነቲ ኩናት መቐለ ብምሓዝ ዘይዛዘሞ? እዝን ካልእን ምስ ጃንዳ ማለሊት ዝተኣሳሰር’ዩ። ለ) መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ጽልዋታት ኣሜሪካ መሊኡ ሓራ ክኸዉን ዘጸግሞ ዘሎ ኩነታት እንታይ’ዩ? ሐ) ንመራሕቲ ጃንዳ ማለሊት ደጊምካ ፖለቲካዊ ትንፋስ ምሃብ ንምንታይ ኣድለየ? ነታ ሃገር’ከ ንቐጻሊ ሰላም ዝህብ ድዩ? ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ዝወስዶም ፖለቲካዊ ዉሳነታት ምስ ጸገምን ሽግርን ናይታ ሃገር ዝዛመድ’ዩ። ማዕረ ማዕረ’ቲ ሕልኽላኻታት፡ እቶም ዉሳነታት ድማ ሕልኽላኻት ኮይኖም ንረኽቦም። ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎን ዝጸንሐን ሽግራት፡ ኣዝዮም ከበድቲ ሙዃኖም ክዝንጋዕ ኣይክእልን። ዉሳነታት ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ብመነጸር (ኣጠማምታ) ኤርትራዉያን — ብዙሓት ዉልቀሰባት ኣብ ኣጠማምታ ኤርትራዉያን ክዛተዩ ይስማዕ። ኤርትራዉያን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጲያ ይምልከቶም’ዶ ኣይምልከቶምን? ስለምንታይ ብዛዕባ ፖለቲካ ኢትዮጲያ ብብዝሒ ይካትዑ? ይከታተሉ? ጎረቤት ሃገር (ህዝቢ)’ዶ ኣይኮኑን? ወዘተረፈ!! ኤርትራዉያን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጲያ ትኩር ዝኾነ ኣጠማምታ’ዩ ዘለዎም። ንርዱእ ምኽንያታት፡ ኤርትራዉያን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጲያ ልዑል ተገዳስነት ይዉንኑ። ካብ 50ታት ኣትሒዝካ ኣብ ዝነበረ ኩነታት፡ ሽግራት ኢትዮጲያ ብቐዳማይ ደረጃ ንህዝቢ ኤርትራ’ዩ ጸልዩ። ዕንወቱ’ዉን ፍጹም ዝከሓድ ኣይኮነን። እምበኣርከስ ካብዚ ብምብጋስ፡ ኤርትራዉያን ንዉሳነታት ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ብደቂቕ ክከታተልዎ ንዕዘብ። ኣብ ዉሳነታቱ’ዉን ኣዝዮም ተዛተይቲ፡ ሃናጺ ሓሳብ ዘመንጭዉ፡ ነቐፍቲ፡ ኣተባባዕቲ (analytical/critical/intriguing) ኮይኖም’ዉን ንረኽቦም። ኤርትራዉያን ክፈልጥዎ ዘለዎ ሓቂ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ቐ/ሚ ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ጉዳይ ዞባና ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብደቂቕ ተዛትዩ እዩ ዝዉስን። ብፍላይ ኣብ ንኽልቲኣተን ሃገራት ዘራኽቡ ጉዳያት፡ ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ምስ ፕ/ት ኢሰያስ ኣፎርቂ ኢሂን ምሂን ብምባል’ዩ ዉሳነ ዘሕልፍ። ከም ኣብነት፡ ቕድሚ ስምምዕ ፕሪቶርያን ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያን፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብደቂቕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝርርብ ብምክያድ’ዩ ዉሳነ ኣሕሊፉ። ክልቲኣቶም መንግስታት ንሓባራዊ ጉዕዞ፡ ብሓባራዊ ራኢ ይጓዓዙ። ኣብ መደምደምታ፡ ፖለቲካዊ ዉሳነታት ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ንምንታይ ተነቃፊ ይኸዉን ንዝብል ሕቶ፡ ናብታ ጀ/ ስብሓት ኤፍሬም ከም ሕቶ መልክዕ ዘቐመጣ ትንበያ ምምላስ የድሊ። ፖለቲካዊ ምዕባለ ወያነ ዘምጽኦ ዉጽኢት ንምዕራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ በዳሂ መኸተ፡ ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ኣዝዮም ተኣፈፍትን ወሰንትን ዉሳነታት ኣብ ምዉሳድ ስለ ዝርከብ’ዩ። ደሚርካ ክትርእዮ እንከሎኻ፡ እቶም ዉሳነታት ኣዝዮም ከበድቲ ካብ ሙዃኖም ዝነቅል’ዩ ምባል’ዉን ይከኣል። ብሩኽ መዓልቲ: ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት  Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።