ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ ድምጻዊ ዮናታን ታደሰ(ዱላ)

ሰላም ሰላም ክቡራት ኣሕዋት፡ብመጀመርታ ኣኣብ ዘለኹሞ፡ሰላምን ጥዕናን ንምነ፡ብምቕጻል ንሓውና ድምጻዊ ዮናታን ታደሰ(ዱላ)፡ኣጋጢምዎ ዘሎ ኽብድ ዝበለ ናይ ጥዕና ጸገም፡ፈጣሪ ምሕረት ይኣዝዘሉ እናበልና፡ህዝብና ዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ፡መግለጺ ኣይርከቦን እዩ እሞ፡ብስም ስድራቤት ስነጥበባውያንን ምስጋናን ነቕርብ፡ ዮናታን ድሮ ትማሊ ረቡዕ ናብ ኣዲስኣበባ ኣትዩ ኣሎ፡እቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝካየድ መስርሕ ሕክምና ውን ተጀሚርሉ ኣሎ። ብዙሓት ፈተውቱን ኣፍቀርቱን ብተሌፎን ይኹን ብኣካል ንምርካቡ ትሓቱ ኣለኹም ንተገዳስነትኩም ዘሎና ክብሪ ኣዝዩ ልዑል ምኻኑ እናገለጽና፡እንተኾነ ግና ዘለዎ ሕክምና፡ ቁሩብ ከዐርፍን፡ጥዕንኡ ክሳብ ዝመሓየሽ ስለ ዘለዎን፡ እቲ ዘለዎ ሆስፒታል ውን ምእታው ስለ ዘይፍቀድ ንግዚኡ ምብጻሕ ከም ዘይከኣል ስለ ዝሓበሩና፡ምስ ክቱር ትሕትና ክንሕብርረኩም ንፈቱ።ንትገብርዎ ዘለኹም ሕቶን ክቱር ተገዳስነን ግን ደጋጉምና ነመስግን። ብምቕጻል ኣብ ኣዲስኣበባ ይኹን ካልእ ሃገር ሓገዝና ከነበርክት ብምባል ደጋጊምኩም ትሓቱና ዘለኹም ኣሕዋት፡ ድማ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ባንክ ኣካውንት ክትሕግዙ ከም ትኽእሉ ብኣኽብሮት ንሕብረኩም፡የቐንየልና። ሳሊና ኤልያስ (ጓል ሓፍቱ ንዮናታን) Commercial bank of Ethiopia 1000385371528. Bank of abissinia 22241327 ሙሉኣት ስድራ ቤት. Filimon Mengisteab Wedi Mengesha