ሊባንን ሓበላን

ልዕሊ 100 ዓመት ዝቐጸለ ምስሕሓብ ዓድታት ሊባንን ሓበላን ብዕርቂ ደቂሱ

ልዕሊ 100 ዓመት ዝቐጸለ ምስሕሓብ ዓድታት ሊባንን ሓበላን ብዕርቂ ደቂሱ

ብሰንኪ ናይ ሕርሻን መገሃጫን መሬት፡ ልዕሊ ሓደ ዘመን ዘቑጸረ ሕዱር ግርጭታት ዓድታት ሊባንን ሓበላን፡ ድሕሪ ነዊሕ መጽናዕቲ ኮሚቴታት መንግስትን ሽማግለ ዕርቂ ናይ’ተን ዓድታትን፡ ብ22 ለካቲት 2020 ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት መዛዘሚ ዕርቂ ተገይሩሉ። ኣብ’ቲ ብስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ደሚቑ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ ግንባርን ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ መኸተ ልምዓትን ብ/ጀ/ ተኽለ ክፍላይ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ኣምባሳደር መሓመድ ዓሊ ወኪል ኣካያዲ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ኣቦ መንበር ባይቶ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣቶ ዑስማን መሓመድዓሊ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ’ቲ ዞባ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓድን፡ ዕዱማት ኣይጋይሽን ነበርቲ ክልቲኡ ዓድታትን ተረኺቦ ነይሮም። መንጎኛ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ሽማግለ ዕርቂ ክልቲአን ዓድታት ኣቶ ደበሳይ ተወልደ፡ “ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ዕምሪ መግዛእቶም ንምንዋሕን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምቑጻይን ከፋፊልካ ግዛእ ዝሜላኡ ኣካይዳ ገይሮም’ዮም። ዓድታት ሊባንን ሓበላን’ውን ኣብነት ናይ’ዚ’የን። ብሰንኪ’ቲ ገዛእቲ ስርዓታት ኣብ መንጎአን ከሳውርዎ ዝጸንሑ ግርጭታት ከኣ ቀሊል ዘይኰነ ሂወት፡ ንብረትን ግዜን ከሲረን። ሕጂ ግን፡ ነዚ ሕዱር ግርጭት ብሰላም ንምዝዛም ሽማግለ ወጺኣ ምስ ኮሚቴ ዞባን ህዝብን ሓቢራ ሳላ ዝሰርሐት፡ እቲ ጸገም መዕለቢ ተገይሩሉ ኣሎ። ሰላምን ዕርቅን ክጽበዩ ዝጸንሑ ህዝብታት ክልቲአን ዓድታት’ውን ካብ ኣቦታቶምን ኣቦሓጎታቶምን ንዝወረስዎ ቅርሕንትን ቂምታን ገዲፎም ንቕድሚት ክምርሹ ስለዝወሰኑ፡ ነቲ ጸገም ብገንዘብ ምክሕሓስ ገዲፎም፡ ብይቕረታን ዕርቅን ክዛዝምዎ መሪጾም ኣለዉ።” ኢሉ። ብድሕሪ’ዚ፡ ቃል ኣቦ መንበር ኮሚቴ ዕርቂ ዞባ’ዩ ብዳይረክተር ጀነራል ምምሕዳርን ፋይናንስን ዞባ ጋሽ ባርካ ኣቶ ገብረስላሴ ነጋሽ ብኸምዚ ዝስዕብ ተነቢቡ። “ክርክር ሊባንን ሓበላን ንልዕሊ 120 ዓመታት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብምኽንያት ሕዛእቲ፡ መገሃጫ፡ ኣቀማምጣ ቁሸታትን ደምበታትን ዝተፈጥረ’ዩ። ኣበጋግሳ ናይዚ ክርክር’ዚ ዓዲ ዘይፈሊ ጃምላዊ ምፍሕፋሕ’ኳ እንተነበረ፡ ብዓዲ ደረጃ ተወዲብካ ምጥቕቓዕ ዝጀመረ ግን ብ28 ጥሪ 1918 እዩ። ብድሕሪ’ዚ ከኣ፡ ከም ካልኣይ ፍጻመ፡ ብ10 ነሓሰ 1959፡ ንሸሞንተ ሰዓታት ዝቐጸለ ህውከት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ተኻዪዱ ነይሩ። እቲ ኣብ መንጎ ዝርአ ዝነበረ ናእሽቱ ምቅትታልን ካልእ ናይ ንብረት ምዕናውን ገዲፍካ፡ ኣብ’ዘን ክልተ ዓበይቲ ፍጻመታት ጥራይ 30 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ 22 ድማ ቈሲሎም። ገዛእቲ ስርዓታት ነዚ ግርጭቲ’ዚ ንምጉህሃር፡ መግለጺ ክትረኽበሉ ዘይትኽእል ዓቢ ተራ’ዮም ተጻዊቶም። ካብኡ ብዘይፍለ ድማ፡ ደቂ ዓዲን ጎደቦ ዓድታትን፡ “ወዳእቲ ነገር ኢና፣ ንማጎተልካ ኣለና፣ ወዘተ. ህዝቢ ገንዘብን ካልእን እናኣዋጽኡ መነባብሮኦም ዘጣጥሑሉ፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ዝፈትሑ ዘጐሃህሩ ዝነበሩ ብዙሓት’ዮም ነይሮም። “ነዚ ግርጭት ንምፍታሕ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝተፈላለየ ፈተነታትኳ እንተ ተኻየደ፡ ክሰምር ግን ኣይከኣለን። ድሕሪ ናጽነት’ውን እንተዀነ እቲ ጉዳይ ኣብ ሓጺር ግዜ መዕለቢ ዝረክብ ቀሊል ኰይኑ ኣይተረኽበን። ኰይኑ ግና፡ መንግስቲ ኤርትራ ስለ ዘይደቀሰሉ፡ በብግዚኡ ኮሚቴታት ከም ዝቖማ ብምግባር ንምፍትሑ ከይተሓለለ ጻዕርታቱ ቀጸለ። ከም ኣካል ናይ’ቲ እዘን ኮሚተታት ከካይዳኦ ዝጸንሓ ጻዕሪ ድማ፡ ብ17 ሓምለ 2018፡ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ፡ ነታ ዝነበረት ኮሚቴ ገለ ናይ ኣባላት ምቅይያር ብምግባር ስርሓ ከም እትቕጽል ጌሩ። እታ ኮሚቴ ንዝተዋህባ ሓላፍነት ብዕቱብ ብምርኣይ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ምምሕዳር ዞባ ኰይና ብኣላይነት ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር መደባታ ሓንጺጻ ስርሓ ጀሚራ። ንስራሕ መበገሲ ዝኸውን ናይ ቀደም ሰነዳት፡ ዝተፈላለያ ኮሚቴታት በብግዜኡ ዘካይድኦ ዝነበራ ንጥፈታት፣ ብምምሕዳራት ክውሰዱ ዝጸንሑ ስጕምትታት፡ ወዘተ. ብምብጋስ፡ እቲ ክፍታሕ ዘለዎ ነጥብታት ብንጹር ድሕሪ ምልላይ፡ ተደጋጋሚ ርክብ ኮሚቴ ክርክር፡ ቀጻሊ ኣኼባታትን ጎስጓሳትን ኣብ ህዝቢ፡ ኣብ ምምሕዳራት፡ ኣብ ሽማግለታት ዕርቂ፡ ኣብ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝርከቡ ተወላዶ ሊባን-ሓበላ፡ ተወከልቲ ጎደቦ ዓድታት፡ ወዘተ. ኣካይዳ። በቲ ዘካየደቶ ሓያል ጻዕሪ ከኣ፡ ጉዳይ ዝሓለፈ ሂወትን ዝዓነወ ንብረትን ብ11 ግንቦት 2019 ብዘይ ጋርን ካሕሳን ብሰላማዊ መንገዲ ክዓርፍ ክኢሉ። “ንዋንነትን ምምሕዳርን መሬት ትንሽኣይን ምግራሕን ዝምልከት ከኣ፡ ናይ ክልቲኡ ዓድታት መሬት ሕርሻ፡ ሕዛእቲ፡ መገሃጫ፡ ኣከራኸርቲ ቦታታት፡ ወዘተ. ብሞያውያን ጂ. ኣብ 2018 ዝተኻየደ ምድልዳል መሬት ተጸኒዑ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ቅቡል ኰይኑ ጸዲቑ። ኣብ መጨረሻ፡ ኮሚቴ ክርክር ሊባን ሓበላ፡ እማመ ወይ ድማ መፍትሒ ሓሳባት ናይ ዝምልከቶ ላዕለዋይ ኣካል ኣቕሪባ። ግዜ ከይወሰደ ከኣ ውሳነ ብላዕለዋይ ኣካል ተዋሂቡ። እቲ ውሳነ፡ ኣብ ሊባንን ትንሽኣይን ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽቡሉ ሰፋሕቲ ኣኼባታት ተነቢቡ። ብጽቡቕ ከኣ ተቐቢሎሞ። ውሳነ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ጽምብል ንምክያድ ኣብ ዝተበገስናሉ ግን፡ ብወገን ሊባን ታሕታይን ላዕላይን፡ ኣኼባ ረጊጽካ ምኻድን ኣብ ኣኼባ ተዓዲምካ ዘይምምጻእን ተራእዩ። ብድሕሪ’ዚ፡ መንግስቲ ነቶም ነዚ ዕንቅፋት ክፈጥሩ ዝጸንሑ ተኸታቲሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ገይሩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን ሓደ ፍልይ ዝበለ ተርእዮ ኣጋጢሙ። ንሱ ድማ፡ ኣጉዶ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ትንሽኣይ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ነዲዱ። እቲ ጉዳይ ገና ኣብ ምጽራይ ይርከብ ኣሎ። እቲ ዘጋጠመ ዕንቅፋት ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ግዱሳት ተወላዶ ዓድታት ሊባን ታሕታይን ላዕላይን 11 ዝኣባላታ ሓዳስ ሽማግለ ብምቛም፡ “ተጋጊና ኢና” ብምባል ናይ ይቕረታ ጥርዓን ናብ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቕሪቦም። ኮሚቴ ክርክር ሊባን-ሓባላ ድማ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ብምርኣይ፡ ኣብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ሊባንን ትንሽኣይን ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ውሳነ ላዕለዋይ ኣካል ዳግማይ ከምዝንበብ ገበረት። እታ ካብ ህዝቢ ዝቖመት ሽማግለ ዕርቂ ኣቐዲማ ኣብ ህዝቢ ሊባን ኣኼባታትን ጎስጓሳትን ኣካይዳ ብምጽንሓ፡ ቅሩብነት ህዝቢ ኣብ ምቕባል’ቲ ውሳነ ኣዝዩ ልዑል ነይሩ። ህዝቢ ዘለዎ ሕቶታትን ርእይቶታትን ከቕርብ ዕድል ተዋሂቡዎ፣ ነቲ ውሳነ ዘለዎ እወታዊ ደገፍ ከኣ ብንጽህና ገሊጹ። ህዝቢ ንዘቐረቦም ሕቶታት ወይ ስክፍታታት እውን ብቓልን ብጽሑፍን መልሲ ተዋሂቡዎ። “ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ መስርሕ ዕርቂ ናይ ዝሓለፈ ሂወትን ዝዓነወ ንብረትን ኣብ ግንቦት 2019 ተዛዚሙ’ዩ። እንተዀነ፡ ጉዳይ ዋንነትን ምምሕዳርን መሬት ኣብ መንጎ ትንሽኣይን ምግራሕን ድሒሩ ስለዝተወድአ፡ ጽምብል ክግበር ኣይተኻእለን። እንሆ ሎሚ ዕለት 22 ለካቲት 2020 ከኣ፡ ክልቲኡ ጉዳያት ኣብ ቅድሚ ተወላዶ ዓዲታት ሊባን፡ ሓበላ፡ ትንሽኣይን ምግራሕን፡ ተወከልቲ ጎደቦ ዓድታት፡ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ማሕበራትን፡ ኣባላት ባይቶ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ይጽምበል ኣሎ። ኣብ መደምደምታ፡ ነዚ ዕርቂ’ዚ ክዉን ንምግባር ከይተሓለሉ ዝሰርሑ – ክቡር ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ምስ መሳርሕቱ ምስጋናይ አቕርብ።” ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ ድማ፡ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዝቐጸለ ምስሕሓብ፡ ሳላ ሓያል ጻዕሪ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ኮሚቴ ዕርቂ ዞባ፡ ኮሚቴ ሽማግለ ዕርቂ ንኡስ ዞባ፡ ልዑል ደገፍ ጎደቦ ዓድታትን ብዓቢኡ ድማ ድሌት ህዝቢ ክልቲአን የሴፍ ሃይለማርያም ሕዱር ግርጭት ሊባን-ሓበላ ብዕርቂ ኣኽቲሙ! ስእሊ ኣቤል በረኸትዓድታትን ብዕርቂ መዕለቢ ምርካቡ፡ ንህብታት ሊባንን ሓበላን ከምኡ’ውን ናይ’ቲ ከባቢ ዮሃና ኢሉ። ካብ ሎሚ ንደሓር ምሉእ ኣድህቦኦም ኣብ ልምዓትን ሓቢርካ ምልማዕን ክገብሩ ድማ ኣዘኻኺሩ። መራሕቲ ሃይማኖት እውን፡ ህዝቢ ክልቲአን ዓድታት፡ ካብ ሕሉፍ ቂምታን ቅርሕንትን ርሒቖም፡ ብሰላምን ፍቕርን ሓቢሮም ዓድታቶም ከማዕብሉ መኺሮም። ድሕሪ’ቲ መዛዘሚ ዕርቂ፡ ንገለ ተወላዶ ክልቲን ዓድታት ኣዘራሪብና ነይርና። ፈለማ ንኣቦይ በረኸትኣብ መሓሪ ተድላ ኢና ተወኪስናዮም። ነቲ ናይ ዕርቂ መስርሕ ኣመልኪቶም ከኣ፡ “ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ካብ’ዘን ክልተ ዓድታት ዝቀራረብን ብሓደ ዝነበረን የለን። እንተዀነ ብሰንኪ ደርብታት ገዛእቲ፡ ናይ ዓደይ ዓድኻ ዶባት ምግባር ዝመበገሲኡ፡ ካብ 1918 ፍሕፍሐ ተፈጢሩ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቐንን ደም ተፋሲሰንን። እቲ ሱር ዝሰደደ ድሑር ግርጭት ከኣ፡ ኣብ እዋን ሰውራ’ኳ ሃዲኡ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ከይዓረፈ’ዩ ጸኒሑ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ብምትእትታው መንግስቲ ናብ ዝሓሸ ህድኣት ኣምሪሑ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ መንግስቲ ካብ ውሽጡን ካብ ህዝብን ናይ መቀራረቢ ኮሚቴታት ብምግባር፡ ኣብ’ዛ ክብርቲ ዕለት በጺሕና፡ ሓጐሰይ ከኣ ወሰን የብሉን” ኢሎም። ወ/ሮ ደስታ ተወልደ ትኩእ ከኣ፡ “ተሰሚዑኒ ዘሎ ሓጐስ ልዕሊ ቃላት’ዩ። ኣብ ዕድመይ ምሉእ ከምዚ ተሓጕሰ ኣይፈልጥን’የ። በሰላ ባእስን ግጭትን ምስ ጎረቤትካ ምስ መተዓብይትኻ ከቢድን ክሳራን’ዩ። ንወለዶታት ጣዕሳን ስምብራትን ዝገድፍ ሕማቕ ውርሻ’ዩ ጸኒሑና። ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን’ውን ነዛ ሰላምን ዕርቅን ከይረኣዩ’ዮም ከይዶም። ኣብ ግዜና ምዕራፉ ግን ዕዉታት ወለዶ ኢና። መንግስቲ ድማ ንዅሉ ማሕበራዊ ሂወትና ብጥርኑፍ’ዩ ክህበና ጸኒሑ። እዚ ከኣ ኣብ ምቅርራብና ልዑል ተራ ተጻዊቱ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ስደትን ዘለኹም ኵላትኩም ደቂ ሊባንን ሓበላን፡ እቲ እንምነዮ ዝነበርና ሰሚሩ እዩ’ሞ፡ እንቋዕ ኣብ’ዚ ኣብቅዓናን ሓጐሰናን ክብለኩም እደሊ” ኢላ። ወዲ 84 ዓመት፡ ኣቦይ ሃብቶም ገብረሃንስ ኣነንያ ድማ፡ “ሰብ ሓሪሱ’ዩ ዝነብር። እዚ ቦታ ከኣ እንተሓረስካ እኽሊ፡ እንተወፈርካ ጥሪት እንተነገድካ ሰልዲ ዝኸውን ፍርያም ቦታ’ዩ። ንሕና ከኣ፡ ዓቢ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ክንዲ ብሓደ ኰይንና እናመኸርና ንሰርሕን ንምህለልን፡ ንሓድሕድና ኢና ክንጋጮን ክንካሰስን ጸኒሕና፣ ናይ ብሓቂ’ውን ከሲርና። እዚ ኵሉ ሓሊፉ፡ ኣብ’ዚ ምብጻሕና ከኣ፡ ንፈጣሪናን መንግስትናን ነመስግን። ነዚ ሰላምን ዕርቅን ድማ ኵልና ክንጥቀመሉን ከነዕብዮን ኣለና። ደቂ ደቅና’ውን ብሓደ ቃል ኪዳን ክኣስሩ፡ ንዓና ዝጸናብር መርዓን ሓድነትን ክገብሩ እምነ። “ኣቦታትናን ኣደታትናን ዘይረኸብዎ ዕድል፡ መሳቶይ ዘይረኸብዎ ዕድል ረኺበ ነዚ ምርኣየይ ዕድለኛ እየ እሞ፣ “እንቋዕ ነዚ ዕርቂ’ዚ ኣርክብኩሉ” ክብሉ ከኣ፡ ሓጐሶም ይገልጹ። ጓል 58 ዓመት ወ/ሮ ዝፋን ክብረኣብ ድማ፡ ሓጐሳ ብኸምዚ ትገልጽ – “እዚ ዕርቂ’ዚ፡ ነቲ ዝነበረ ምፍሳስ ደም፡ ቀሓርን ቅርሕንትን ንምርሳዕ ስለዝዀነ ቀሊል ኣይኰነን። ምስ ፍቕርና እናተደላለና ኢና፡ ብሰንኪ ግራትን ሕርሻን ክንጋጮ ጸኒሕና። ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን ከኣ፡ ስኣን ንቕሓትን ትምህርትን፡ ነዚ ጕዳይ ናይ ኣሕዋት ጌሮም ተላዚቦም መዕለቢ ክገብሩሉ ስለዘይከኣሉ፡ ብዙሕ ከሲሮም’ዮም፣ ንዓና’ውን ግዳይ ቂምታን ቅርሕንትን ጌሮምና’ዮም። ሎሚ ግን፡ ሳላ መንግስትና ንዅሉ ሰጊርና ኣብ’ዚ ምብጻሕና፡ ብዘይ መጠን ሕጉሳት ኢና። እናተሓጐስናን እናሰሓቕናን፡ እናዘለልናን እናደበልናን እናዓለልናን ከኣ፡ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ንቕበሎን ነብዕሎን ኣለና” ኢላ። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣቶ ተስፋልደት ሰረቐ ንሊባን ኣቶ ኣውዓሎም ሕድሩ ከኣ ንሓበላ ወኪሎም ናብ መድረኽ ብምድያብ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ’ዚ ዕርቂ ምብቅዖም ዮሃናኦም ገሊጾም። ብሰንኪ’ቲ ካብ ኣቦታቶምን ሕዱር ግርጭት ሊባን-ሓበላ… ወ/ሮ ደስታ ተወልደ ወ/ሮ ዝፋን ክብረኣብ ካብ 3ይ ገጽ ዝቐጸለ ኣቶ ደበሳይ ተወልደ ኣቦሓጎታትምን ዝወረስዎ ሕዱር ግርጭታት፡ ንዓታቶምን ንደቆምን’ውን ከምዘረኻኸበሎምን ግዳይ ዘይተደልየ ጽልእን ግርጭትን ከምዝገበሮምን ብምግላጽ፡ ሎሚ ግና ሳላ ዘይሕለል ጻዕሪ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብርሃን ከምዝረኸቡ ገሊጾም። እቲ ግርጭት ኣብ ግዜ ናይ’ዚ ሓድሽ ወለዶ መኸተምታ ክግበረሉ ምብቅዑ ከኣ፡ ንደቆምን ደቂ ደቆምን ንዝመጽእ ወለዶን ሩፍታ ዝፈጥርን ብሓበን ዝዝከርን ታሪኽ ከምዝኸውን ብምሕባር፡ ካብ ሎሚ ንድሓር ሓቢሮም ከልምዑን ዓድታቶም ከማዕብሉን ምዃኖም ቃል ኣትዮም። ከም ምልክት ሓጎሶም ድማ ክልቲኦም ተሓቛቚፎም ተሰዓዒሞም፡ ካብ’ቲ ዝተኸፍተ ሻምፓኝ ንሓድሕዶም ተቛዲሶም። ጎጎን ዕምባባን ዝሓዛ ኣዴታት ክልቲኡ ዓዲታት’ውን ድሙቕ እልልታን ጣቕዒትን ጌረን ኣሰኒየናኦም። ቀጺሎም ከኣ፡ ነቲ ዕርቂ ወግዓዊ ንምግባሩ፡ ነቲ ብዞባ ብዝተመርሐ ላዕለዋይ ኮሚቴ ዕርቂ፡ ዝተዳለወ ሰነዳት ዕርቂ፡ ክልቲኦም ወከልቲ ዓድታት ክታሞም ኣንቢሮምሉን ሰነዳት ተረኻኺቦምን።