ኣፍሪቃ

ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ክወርደን ንዝኽእል ጥዕናዊ ጉድኣትን ድኽነትን ንምምካት

ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ክወርደን ንዝኽእል ጥዕናዊ ጉድኣትን ድኽነትን ንምምካት ሓገዝ ከም ዘድልየን ናይዚ እዋን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፡ ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ራማቮዛ ገሊጹ።
ፕረሲደንት ራማ ፎዛ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ከቢድ ጉድኣት ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምምልካት፡ ሃብታማት ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘለዋ ዕዳ ንምጉዳል ክተሓባበራ ጸዊዑ።
ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብተን ሓያላት ሃገራት ዝበሃላ ተራእዩ ዘይፈልጥ መቕዘፍቲ ኣብ ዘውርደሉ ዘሎ እዋን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምክልኻል ዘተኰረ ሓያል ስጉምቲ ክወስዳ ከምዝግባእ’ዩ ዝግለጽ።
እቲ ሕማም ሓንሳብ ሱር እንተሰዲዱ ግና ህይወት ብዙሓት ሰባት ከጽንት ምዃኑ ዝተፈላለዩ ተመራመርቲ ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ።